ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ፋይናንሳዊ መራሕቲ ሃገራት ጉጅለ-7 ኣብ ጃፓን ኣኼባ የካይዱ


ፋይናንሳዊ መራሕቲ ሃገራት ጉጅለ-7 ካብ ሎሚ ሓሙስ 11 ግንቦት ጀሚሮም ኣብ ጃፓን ኣኼባ የካይዱ ኣለዉ።

ሓደ ካብ ቀንዲ መዘራረቢ ድማ ኣብ ኣመሪካ ኣብዚ እዋን`ዚ ዘሎ ሙግት ደረት ሃገራዊ ለቓሕ ምዃኑ ይግለጽ ኣሎ።

ደረት ዕዳ ኣመሪካ ንቁጠባ ዓለም ዓብይ ስግኣት ምዃን ይግመት።

ኣብቲ ኣኼባ ትሳተፍ ዘላ ሚንስተር ገንዘብ ኣመሪካ ጃነት የሊን፡ ካብ ቀዳምነታት ሓደ ምፍታሕ ወጥሪ ሃገራዊ ዕዳ ክኸውን`ዩ ኢላ።

ኣስዒባ ብናተይን ናይ ካልኦትን ገምጋም፡ ኣመሪካ ፋይናንሳዊ ግዴታኣ ኣብ ምፍጻም እንተፈሺላ፡ ቁጠባዊን ፋይናንሳውን ቅዝፈት ከጋጥም ይኽእል'ዩ ክትብል ኣጠንቂቓ።

እታ ሚንስተር ገንዘብ ኣመሪካ ወሲኻ “ሚልዮናት ኣመሪካውያን ካብ ስራሕ ወጻኢ ክኾኑ ይኽእሉ፡ ኣታዊታት ስድራቤት ክጎድል፡ ኣብያተ ንግድን ዕዳጋታት ለቓሕን ክበላሾ ይኽእል” ኢላ።

ሚንስተራት ገንዘብ ጉጅለ-7 ሃብታም ሃገራት ኣብ ከተማ ኒጋታ ጃፓን ንሰለስተ መዓልታት ተኣኪቦም ኣለዉ፡ ድሕሪኡ ኣብ መወዳእታ`ዚ ወርሒ መራሕቲ`ተን ሃገራት ኣብ ሂሮሺማ ክራኸቡ`ዮም።

XS
SM
MD
LG