ዋሽንግተን —
ቀዳማይ ሚንስትር ጃፓን ሺንዞ ኣቤ ቁፅሪ ብኮሮናቫይረስ ዝልከፉ እናወሰኸ ብምኻዱ ነታ ሃገር ብቴሌቪዥን ብቐጥታ ኣብዝተመሓላለፈ መደረ ኣብ ዋና ከተማ ቶክዮ ሓዊሱ ናይ 30 መዓልታት ህፁፅ ግዜ ሎሚ ሰሉስ ኣዊጆም።
6 ግንቦት ዝውዳእ ኣዋጅ ህፁፅ ግዜ ከባቢያዊ ሰበስልጣን ዜጋታቶም ካብ ገዛውቶም ከይወፁ፣ኣብያተ ትምህርትን ንግድታትን ክዓፅው ሕጋዊ ስልጣን ዝሃበ እዩ።እቲ ኣዋጅ ሃገረለኸ ካብ ገዛ ናይ ዘይምውፃእ ትእዛዝ ኣየሕለፈን።
ቀ/ሚ ኣቤ ኣብ ናይ ሎሚ ሰሉስ መግለፂኦም ካብኔኦም ናይ 990 ቢሊዮን ዶላር ሓገዝ ቁጠባዊ መነቓቕሒ ብወግዒ ምፃድቑ እውን ገሊፆም።ብቐጥታ ንስድራታትን ንወነንቲ ናእሽቱ ንግድን ዝውሃብ 55 ቢሊዮን ዶላር ይሓውስ።
ኣብ ጃፓን ዝሞቱ ልዕሊ 90 ሓዊሱ ኣስታት 3,900 ብኮሮናቫይረስ ዝተትሓዙ ተመዝጊቦም ኣለው።