ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

'ምርመራ ርክብ ሩስያን ፍልንን ሸለል በሎ ኢሎምኒ ፕረዚደንት ትራምፕ' ይብሉ ጀምስ ኮመይ


Former FBI Director James Comey
Former FBI Director James Comey

ብፕረዚደንት ካብ ስርሖም ዝተባረሩ ሓላፊ FBI ዝነበሩ ጀምስ ኮምይ፣ ‘ፕረዚደንት ትራምፕ እሙን ክኾንሎም’ ከምኡውን ‘ኣብ ልዕሊ ርክብ ኣማኻሪኦምን ሩስያን ዝጀመረ መስርሕ ምጽራይ ሸለል ንክብልዎን ትጽቢት ገይሮም ከምዝነበሩን’ ገሊጾም።

ጀምስ ኮመይ ግና ‘ውጽኢታዊ ስራሕ ከምዝፍጽምን ብሰራሕተኛታት FBI ከምዝፍተውን ሓቢሮምኒ’ዮም። ዳሓር ኣነ ካብ ስርሐይ ዝተባረርኩ ብጠንቂ መስርሕ ምጽራይ ሩስያ’ዩ ክብሉ ከለው ኣደናጊሩኒ’ ኢሎም።

ጀምስ ኮመይ ኣብ ቅድሚ ኮሚተ ስለያ ሴኔት ኣሜሪካ ቀሪቦም ብዛዕባ’ቲ ቅልውላው ቃለ-ምስክርነት ሎሚ ሓሙስ ዝሃቡ ንፈለማ ጊዜ’ዩ። ‘ትሻዓተ ጊዜ ምስ ፕረዚደንት ትራምፕ ተዘራሪበ’ለኹ፣ ሰለስተ ጊዜ ገጽ ንገጽ ሽዱሽተ ጊዜ ድማ ብቴለፎን’ በሉ ኮመይ።

ዴሞክራት ኣባል’ቲ ኮሚቴ ሰኔተር ማርክ ዎርነር ‘ዘረባ ትራምፕ ብመሰረት ኮመይ ኣዝዩ ኣሻቓሊ’ዩ’ ኢሎም ገለጽዎ።

እዚ ከም’ዚ’ሉ ከሎ፣ ኣማኻሪ ሕጊ’ቶም ፕረዚደንት ማርክ ኮስዊትዝ ‘ፕረዚደንት ትራምፕ ይምርመሩ ከምዘይነበሩ ውሽጣ ውሽጢ ይዝረበሉ ንዝነበረ ጀምስ ኮመይ ብወግዒ ስለዘረጋገጸ ፕረዚደንት ትራምፕ ሕጉስ ኮይኖም ኣለው። ፕረዚደንት እንታይነተይ ተረጋጊጹለይ’ሎ ኢሎም ሩፍታ ተሰሚዕዎም’ሎ፣ ስለዚ ንትግባረ ዝተረፉ ኣጀንዳታቶም ክቕጽሉሉ’ዮም’ ኢሉ’ሎ ማርክ ኮስዊትዝ።

please wait

No media source currently available

0:00 0:06:10 0:00

XS
SM
MD
LG