ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

መራሒ ኣይቮሪኮስት ብሓይሊ ንምውጋድ ዝቐረበ መጠንቀቂ ኣብ ቦትኡ ኣሎ ተባሂሉ


Ivory Coast President Laurent Gbagbo, right, with Kenya's Prime Minister Raila Odinga, left, Sierra Leone's President Ernest Bai Koroma, center, after offering Laurent Gbagbo an amnesty deal at the presidential palace in Abidjan, 03 Jan 2011
Ivory Coast President Laurent Gbagbo, right, with Kenya's Prime Minister Raila Odinga, left, Sierra Leone's President Ernest Bai Koroma, center, after offering Laurent Gbagbo an amnesty deal at the presidential palace in Abidjan, 03 Jan 2011

ልውረት ባግቦ ግና ዓለም ኣንፃረይ ተላዒሉ ኣሎ ባሃላይ ኮይኖም ኣለው

ኣብ ስልጣን ዝርከቡ ናይ ኣይቮሪኮስት ፕረዚደንት ላውረት ባግቦ፣ንፖሊቲካዊ ምስሕሓብ እታ ሃገር ብሰላማዊ መንገዲ ንክፍታሕ ቃል ምእታዎም፣ብሓይሊ ተገዲዶም ክወርዱ ከምዝኽእሉ ካብ ዝተዋሃቦም መጠንቀቅታ ናፃ ከምዘየውፀኦም ተሓቢሩ።

ኣባል ሃገራት ቁጠባዊ ምትሕጋግዝ ምዕራብ ኣፍሪቃ - ኢኮዋስ - ፕረዚደንት ለውረት ባግቦ ነቶም ብማሕበረ-ሰብ ዓለም ኣፍልጦ ዝረኸቡ ተዓዋታይ ምርጫ ስልጣን ንከረክቡ ተዘየለ ብስሙር ሓይሊ’ተን ሃገራት ተደፊኦም ክወርዱ ምኻኖም ኣጠንቂቅዎም‘ዩ።

ሚስተር ባግቦ ብዘይቅድመ ኩነታት ክላዘብ‘የ ኢሎም‘ዮም።እንተኾነ ነቶም ብሰራዊት ሕ/ሃ ኣብ ዝሕሎ ሆቴል ኣፅሊሎም ዝርከቡ ኣላሳኔ ኦታራ ስልጣን ከረክቡ እንተኾይኖም ገና ኣይገለፁን ዘለው።ስለዚ ብሓይሊ ናይ ምውጋድ መፈራርሒ ኣብ ቦትኡ‘ዩ ዘሎ።

ጀምስ ጌሆ - ፕረዚደንት ስምረት ኢኮዋስ - ኣብ ዝሃቦ ሪኢቶ "ብዘየማትእ መንገዲ - ወትሃደራዊ ኣማራፂ ኣብ ቦትኡ እዩ ዘሎ።ኢኮዋስን ሕብረት ኣፍሪቃን፣እቲ ፀገም ብሰላማዊ ኣገባብ ንክፍታሕ ዘለዎም ዕድል ፍርቂ ንፍርቂ‘ዩ፣ነታ ዘላ ዕድል‘ውን ክንጥቀመላ ኢና" ይብል።

ሚስተር ባግቦ ንሰራዊት‘ታ ሃገር ስለዝቆፃፀሩ፣ንኣቢጃን ንምሓዝ ምፍታን ክቡር ዋጋ ዝሓትት‘ዩ።ብዘይካ‘ዚ ጎረባብቲ ሃገራት ናብ ሰራዊት ኢኮዋስ ዜጋታተን ከስልፋ እንተኾይነን፣ብምልሻታት ባግቦ መጥቃዕቲ ክፍፀመን ይኽእል‘ዩ።

ሚስተር ባግቦ እንተኾኑ፣መራሕቲ‘ቲ ዞባ ሰራዊት ኢኮዋስ እንተቊሞም ሳዕቤኑ ይርደኦም‘ዩ ይብሉ።

እዚ ከምዚ‘ሉ ከሎ፣ኣብ ኣይቮሪኮስት መቀሎ ስልጣን ኣይሰርሕን ዝብል ገምጋም ኣለዎም ኣፍሪቃውያን ሸምገልቲ።ሚስተር ኦታራ ኣብ‘ቲ ምርጫ ስለዝተዓወተ ባግቦ ስልጣን የርክቦ‘ዮም ዝብሉ።

ስለዚ ቀፃሊ ምይይጥ ሚስተር ባግቦ ካብ ስልጣን ዝወርዱሉ መስርሕ ምጥጣሕ‘ዩ ዝኸውን መደቡ።ሰበ-ስልጣን ኣሜሪካ ኣዝማዶም ናብ ዝርከቡላ ክፍለ-ግዝኣት ጂኦርጅያ ከምፅእዎም ዝካኣለሉ ኣንፈት ተዘራሪቦምሉ‘ዮም።

ሚስተር ባግቦ ግና ናብ ዝኸዶ ሃገርን ስፍራን የለን‘ዮም ዝብሉ።ንሶም ብመንግስታዊ ሬድዮ ኣብ ዘስምዕዎ መደረ፣ዓለም ምስ ሚስተር ኦታራ ምውጋና፣ንመንግስቶም ንምግልባጥ ዘለዎ ውዲት ዘርኢ‘ዩ ኢሎም ባግቦ።

XS
SM
MD
LG