ሕርይቲ ጋንታ ኮትዲቭዋር/ኣይቮሪኮስት/ ናይ ሎም-ዘበን ሽምፕዮና ግጥማት ኩዕሶ እግሪ ኣፍሪቃ ኮይና።እዛ ጋንታ ናብ'ዚ ክብሪ'ዚ ዝበቕዐት ንሕርይቲ ጋንታ ጋና ብፍፀም ቅላዕ መቕፃዕቲ ድሕሪ ምስዓራ'ዩ።ጋና 10 ፡ ኣይቮሪኮስት 11።
ጋንታ ኣይቮሪኮስት ናብ ፅዋዕ መን ዓተረ ምስ ዝበፅሐት ጋንታ ጋና ትማሊ ሰንበት ኣብ ዘካየደቶ ወሳናይ ግጥም ስሩዕ ተስዓ ደቃይቅ ዜሮ ንዜሮ ተፈላልያ፡ሰላሳ ደቃይቅ’ውን ተወሲኹ ሸቶ ክምዝገብ ስለዘይካኣለ፡ ናብ ፍፁም ቅላዕ መቅፃዕቲ ንክእቶ ግድን ኮይኑ’ዩ።
እንተኾነ ክልቲኤን ጋንታታት ኣብ 120 ደቃይቅ ጊዜ ፀወታ ዘርአየኦ ብቅዓት ብዙሕ ዘዕግብ ኣይነበረን።ኣብ ክንዲ ሸቶ ንምምዝጋብን ንምዕዋትን ንከይምዝገበን ኣዝየን ዝተጠንቀቃሉን ኣብ ክንዲ ምጥቃዕ ምክልኻል ዘዘውተራሉ ኮይኑ’ዩ ተራእዩ።
ብዝኾነ ናብ’ቲ ዘይተርፍ ጊዜ ፍፁም ቅላዕ መቕፃዕቲ ምስተኣተወ ኩሎም ተሰለፍቲ ክልቲኤን ጋንታታት ኣብ’ቲ ፍፁም ቅላዕ መቕፃዕቲ ተሳሳቲፎም’ዮም።
ንኣይቮሪኮስት ናብ’ዚ ክብሪ’ዚ ንክትበቕዕ ልዑል ኣበርክቶ ዝገበረ ሓላዊ ማዕፆ’ታ ጋንታ በሪይ’ዩ።ንሰለስተ ኩዓሳሱ ኣምኪኑ።ኣብ መወዳእትኡ ነታ ፅዋዕ ዘዕተረት ናይ መወዳእታን ወሳኒትን ሸቶ ባዕሉ ኣመዝጊቡ’ዩ ንጋንትኡ ፅዋዕ ንክትዓትር ኣኽኢሉ።
ኣምበል’ታ ጋንታ ያያ ቱሬ “ምስ ክለብ ኮይንካ (ምስ ማንቸስተር ሲቲ ማለቱ’ዩ) ሻምፕዮን ምኻን ዘስደምም’ዩ።ምስ ሃገራዊት ጋንታኻ ኮይንካ ምዕዋት ግና ሕልሚ’ዩ”ክብል ታሕጓሱ ገሊፁ።