ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ንሎረን ባግቦ ካብ ስልጣን ንምእላይ ሓይሊ ምጥቃም እዋኑ’ዩ ኢሎም ኦላሳን ዋታራ


ተዓዋቲ ፕረዚደንታዊ ምርጫ ኣይቮሪኮስት ምኻኖም ዓለም-ለኸ ኣፍልጦ ዝረኸቡ ኦላሳን ዋታራ ነቶም ስልጣን አይልቅቅን ኢሎም ኣብዮም ዘለው ሎረን ባግቦ ካብ ስልጣን ንምእላይ ወታሃደራዊ ሓይሊ ምጥቃም እዋኑ’ዩ ክብሉ ኣፍሊጦም።

ዓለም-ለኸ ማሕበረስብ’ውን ተወሳኺ ማዕቀባት ንምግባር ይሓስብ’ሎ። መንግስቲ ግን ካብ ንአይቮሪኮስት ንናይ ወፃኢ ትካላት ንግዲ’ዩ ዝሃሲ ክብል ይገልፅ’ሎ።

መንግስቲ ፕረዚደንት ሎረን ባግቦ ነቶም ሕብረት ኣፍሪቃ ዝሰየሞም ሸምጋሊ ናይ ኬንያ ቀዳማይ ሚንስተር ራይላ ኦዲንጋ ምስቶም ዓለም-ለኸ አፍልጦ ዝረኸቡ ኦላሳን ዋታራ ስለ ዝወገኑ ከም ሸምጋሊ ኣፍልጦ አይህቦምን’የ ኢሉ’ሎ።

ሚስተር ራይላ ኦዲንጋ ብወገኖም ሚስተር ሎረን ባግቦ ኣማራፂታት ይፅንቀቆም’ሎ ተሪፍዎም ዘሎ ኣማሪፂ ብሰላም ዝወፅሉ መንገዲ ምድርዳር’ዩ ኢሎም።

ኣብዚኣ'ሞ

ኣብዚኣ'ሞ! ብመሰረት ክወሃብ ዝጸንሐ ሓበሬታታት ኤርትራ ኣብ ጉዳይ ሶማል ዝጸንሓ መርገጺ

እዚ ሳይንቲፊካዊ ዘይኮነ መዐቀኒ ህዝባዊ ርእይቶ፤ ንርእይቶ ወሃብቱ ጥራይ እዩ ዘመልክት

XS
SM
MD
LG