ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣብ ኣይቮሪኮስት ኹናት ቀፂሉ ከም ዘሎ ተገሊፁ


ኣብ ኣይቮሪኮስት ኣብ መንጎ እሙናት ሓይልታት ፕረዚደንት ሎረን ባግቦን ተሓናሓኒኦም ኦላሳን ዋታራን ኹናት ቀፂሉ ከም ዘሎ ተገሊፁ።

ሎሚ ኣብ ኣቢጃን በቲ ጎንፂ 5-ተ መኮንናት ፖሊስ ዝርከብዎም 6-ተ ሰባት ተቀቲሎም ክብሉ እሙናት ሰበ-ስልጣን ፀጥታ ባግቦ ገሊፆም።ሓያለ መኻይን ፕዕሊስ ከምዝነደዳ'ውን ተገሊፁ'ሎ።

ኣብ ናይ ትማሊ ተመሳሳሊ ጎንፂ'ውን ኣብ ኣቢጃን 5-ተ ሰባት ካብአቶም ብውሑዱ 2-መኮንናት ፖሊስ ተቀትሎም'ዮም።

ኣሰሓሓቢ ፕሬዝዳንታዊ መረፃ ኣይቨሪኮስት እታ ሃገር ብዓልቲ ክልተ ተነሓናሕቲ መንግስታታ ክትኸውን ጌርዋ'ሎ።እቶም ሓደ ፕሬዝዳንታዊ ቤተ መንግስቲ ተቖፃፂሮም ይርከቡ።እቶም ኻሊእ ድማ ኣብ ሆቴል ብዓቀብቲ ሰላም ሕቡራት መንግስታት ይሕለው'ለው።መብዝሕቲኦም መራሕቲ ዓለም ንኣላሳን ዋታራ ከም ፕሬዝዳንት ኣፍልጦ ሂቦሞም'ለው።

ወታደራት መንግስቲ ነቲ ኣላሳን ዋታራ ዘለውዎ ሆቴል ስለዝኸበብዎ ስቪላት ናብቲ ሆቴል ዝኣትውን ካብቲ ሆቴል ዝወፁን ብሄሊኮፕተር ጌሮም ጥራሕ እዮም።

ዩክረናዊያን ኣብረርቲ ነቲ ናይ ሓሙሽተ ደቓይቕ ናይ ሕቡራት መንግስታት በረራ ኣገልግሎት እናህቡ ይርከቡ። በብመዓልቱ ኸኣ ጋዜጣ ፀባ ሕሩጭ ናይ ፅሕፈት መሳርሕን ነቲ ሆቴል ዘፅሪዩ ሰራሕተኛታትን የመላልሱ።

እታ ስርሒት ሩስያ ዝኾነት ሄሊኮፕተር ኣብቲ ሆቴል ንመዕረፊኣ ኣብዝተዳለወ ቦታ ንምዕላብ ዕንክሊል እናበለት ትርአ።

እዚ ዋና ቤት ፅሕፈት ናይቶም ምርጫ ኮምሽን ኣይቨሪኮስትን ዝበዝሕ ማሕበረሰብ ዓለምን ፕረዝደንት ምዃኖም ኣፍልጦ ናይ ዝሃቦ መንግስቲ ኣላሳን ዋታራ እዩ።ኣብ ስልጣን ዝርከቡ ፕረዝደንት ባግቦ ግን ስልጣነይ ኣይገድፍን እናበሉ እዮም።

XS
SM
MD
LG