ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኢቫንካ ትራምፕ ምስ ቀ/ሚ ኣብዪ ኣሕመድ ተዘራሪባ


ኢቫንካ ትራምፕ ምስ ቀ/ሚ ኣብዪ ኣሕመድ (አዲስ ኣበባ)
ኢቫንካ ትራምፕ ምስ ቀ/ሚ ኣብዪ ኣሕመድ (አዲስ ኣበባ)

ኣማኻሪት ፕረዚደንት ኣሜሪካ ዝኾነት ኢቫንካ ትራምፕ ምስ ቀ/ሚ ኣብዪ ኣሕመድ ሎሚ ሶኒ ተራኺባ። ምስኣ ኣማሓዳሪ ትካል ሓገዝ ኣሜሪካ USAID ማርክ ግሪንን ናይ OPIC ተጠባባቒ ሓላፊን ኣካያዲ ስራሕን ዴቭ ቦሂያን ተረኺቦም ነይሮም።

ኢትዮጵያ ናብ ተሃድሶን ዴሞክራሲያዊን፣ ሰፊሕ ዝመሰረቱ ምዕባለን ነባራይ ህድኣትን ኣብ ምንጋስ ንትገብሮ ጻዕሪ ኣሜሪካ ትልግሶ ሓያል ደገፍ ገሊጾም።

ወ/ሮ ትራምፕ ኣብ'ቲ እዋን እቶም ቀ/ሚ ንበዝሒ ደቂ ኣንስትዮ ኣብ ምምሕዳሮም ምውሳኾም ንኢዳ።

XS
SM
MD
LG