ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ጣሊያን ትማሊ ንዝጠለቑ ልዕሊ ሓደ ምእቲ ስደተኛታት ሓዘን ኣዊጃ


ትማሊ ሓሙስ ኣብ ናይ ጣሊያን ደሴት ላምፐዱሳ ዝተሳፈሩላ ጀልባ ብሓዊ ተባሪዓ ልዕሊ100 ኣፍሪካዊያን ስደተኛታት ዝሞቱሉ ወግዓዊ ናይ ሓዘን ማዕልቲ እዩ ኢላ ጣሊያን።
ሰራሕተኛታት ኣድሕን ህይወት ሎማዕንቲ ረቡዕ እውን ኣለሽኦም ቀፂሎም ውዒሎም ኣለው።ኣካይዳ ማዕበል እቲ ማይ ግን ነቲ ኣለሻ ኣተሓላሊኹዎ’ሎ።ትማሊ ሓሙስ 20 ዝኾኑ ሬሳታት ኣብታ ዝዓነወት ጀልባ ተረኺቦም ኣለው።

ኣዛዚ ጉጅለ ኣለሻ ዝኾኑ ጂዮቫኒ ደ ሊዮናርዶ ከምዚ ይብሉ ትማሊ ሰለስተ ግዜ ናብቲ ማይ ብምእታው 18 ሬሳታት ረኺብና ኢሎም። ብዝርዝር እንትገልፁ ‘’እቶም 10 ካብታ መርከብ ቁሩብ ርሕቕ ኢሉ ኣብ ትሕቲ ባሕሪ፣እቶም ሸሞንተ ድማ ኣብ ውሽጢ እታ መርከብ እዮም ተረኺቦም።’’ክብሉ።

እታ ጀልባ ድሕሪ ምጥልቓ እንተወሓደ 130 ሰባት ሞይቶም ካልኦት 200 ድማ ዛጊድ ሃለዋቶም ኣይተፈልጠን።

መንግስታዊ ኣገልግሎት ዜና ጣሊያን /ANSA/ እታ መብዛሕቲኦም ኤርትራዊያንን ሱማሊያዊያንን ደለይቲ ዕቑባ ዝፅነዓነት ጀልባ ትማሊ ሓሙስ ናይ ርድኡና ምልክት ንምሃብ ኮበርታ ንምንዳድ ብምፍታኖም ብሓዊ ተባሪዓ እያ ዝጠለቐት።

ቅድሚ ማዕልታት ኣብ ወሰን ባሕሪ ሲሲሊ ጀልባ ጠሊቓ ክሕምሱ ዝፈተኑ 13 ስደተኛታት ድሕሪ ምጥላቖም እዚ ትማሊ ዝበፅሐ ሓደጋ ኣብ ጣሊያን እቲ ዝኸፍአ ናይ ስደተኛታት ዘሕዝን ፍፃመ እዩ።

ጉጅለታት ኣድሕን 500 ዝግመቱ ሰባት ዝፀዓነት ጀልባ ድሕሪ ምጥላቓ ን155 ሰባት ኣድሒኖም ኣለው።ካብቶም ዝደሓኑ በዘይካ ሓደ ቱኑዚያዊ ኩሎም ኤርትራዊያን እዮም።
ኣብ ናይ ጣሊያ ከተማ ኣሲሲ ዑደት ዝፍፅሙ ዘለው ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ካቲሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ፍራንሲስ ዓርቢ’’ናይ ንብዓት ዕለት’’ ኢሎምዎ ኣለው።ኣብ ጣሊያን ባንዴር ኣብ ፍርቂ ክትምብልበ ውዒላ፤ኣብያተ ትምህቲ ንቶም ግዳያት ንምዝካ ናይ ሓደ ድቒቓ ናይ ሕሊና ፀሎት ገይረን።

ካብ ናብ ጣሊያን ናብ ኣፍሪካ ዝቐረበት ደሴት ላምፐዱሳ ኣፍሪካዊያን ስደተኛታት ናብ ሕብረት ኣውሮፓ ንምእታው ዝጥቀሙላ እያ።
እታ ጀልባ ካብ ሊብያ ከምዝተልዓለት ናይ ሕቡራት መንግስታት ትካል ስደተኛታት ኣፍሊጡ’ሎ።
Italian-TV-producer
please wait

No media source currently available

0:00 0:05:00 0:00
መራገፊ


ላዕለዋይ ኮሚሽነር እቲ ትካል ኣንቶኒዮ ጉተርስ ኣብ ልዕሊ ኣስገርቲ ስጉምቲ ንኽውሰድን ንስደተኛታት ዝበለፀ ሓለዋ ንኽግበረሎምን ፀዊዖም ኣለው።

ናይ ዝሞቱ ስደተኛታት ቁፅሪ ዝምዝግብ Fortress Europe ዝተብሃለ መርበብ ሓበሬታ ካብ 1994 ኣ/ፈ ጀሚሩ ናብ ሲሲሊ ኣብ ዘሕልፍ ማይ መብዛሕቲኦም ኣፍሪካዊያን ዝኾኑ ልዕሊ 6,000 ሓተቲ ዕቑባ ምማቶም ይገልፅ።
XS
SM
MD
LG