ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኢጣልያ፡ መራሕቲ ኢትዮጵያን ኤርትራን ዝርከብሉ ዋዕላ መራሕቲ ኣፍሪቃ ተአንግድ


ዋዕላ ኣፍሪቃ ኢጣልያ - ሮማ
ዋዕላ ኣፍሪቃ ኢጣልያ - ሮማ

ኣብ ተሓዳሲ ጸዓትን ጉዳይ ስደተኛታት ዘተኰረ ዋዕላ መራሕቲ ኣፍሪቃ፡ ሎሚ ሰኑይ ኣብ ሮማ ኢጣልያ ይቃናዕ ኣሎ። ኣብዚ ወከልቲን መራሕቲን 25 ሃገራት ኣፍሪቃ ዝተረኽቡሉ ናይ ክልተ መዓልታት ዋዕላ ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ኣቢይ ኣሕመድን ፕረዚደንት ኤርትራ ኢሳይያስ ኣፈወርቂን ይሳተፉ ኣለዉ።

ቀዳማይቲ ሚኒስተር ኢጣልያ ጆርጂያ መሎኒ፡ ነቲ ኣብ 2022 ናብ መዝነት ቅድሚ ምምጻኣ ዝኣመመቶ ንዋሕዚ ኣፍሪቃውያን ስደተኛታት ዝዓግት መደብ ከተቕርብ ትጽቢት ይግበር። ኢጣልያ ምስ ኣፍሪቃ ዘለዋ ድምጾ፡ ብስም’ቲ ናይ ኢጣልያ መስራቲ ጸዓት ኢንሪኮ ማተይ ዝተጸውዐ ኰይኑ፡ እቲ መደብ ኣብ መንጎ ኣህጉር ኣፍሪቃን ኢጣልያን ዘሎ ሽርክነት ከዕቢ ትጽቢት ይግበሮ።

ርክብ ኣፍሪቃን ኢጣልያን፡ ኣብ መጽዋቲን ተመጽዋቲን ዘይኰነ ኣብ ማዕረ ድምጾ ዝምርኰስ ከኸውን ከም እትደልዮ ቀዳማይቲ ሚኒስተር መሎኒ ምስ መራኸቢ ብዙሃን 'ራይ' ዘካየደቶ ቃለ-መሕትት ገሊጻ ነይራ።

ኣብቲ ርክብ ፕረዚደንት ሕብረት ኤውሮጳ ኡርሱላ ቮን ደርሊን ከምኡ’ውን ተወከልቲ ሕቡራት ሃገራትን ዓለማዊ ባንክን ይሳተፉ ኣለዉ።

ኣብዚ ዋዕላ መራሕቲ ሃገራትን ኢትዮጵያ፡ ኤርትራ፡ ቱኒዝያ፡ ሴነጋል፡ ጋና፡ ኬንያ፡ ማውሪታንያን ሞዛምቢክን ካብ መንጎ ዝተረኽቡ ክዀኑ እንከለዉ፣ ከም ኣልጀርያ፡ ጫድን ግብጺን ዝኣመሰላ ሃገራት ድማ ብሚኒስተራት ጉዳያት ወጻኢ ተወኪለን ምህላወን ተፈሊጡ ኣሎ።

ኢጣልያ፡ ንመሪሕነት ሃገራት ጕጅለ-ሸውዓተ ተረኪባ ዘላ ሃገር’ያ። ኢጣልያ ነዚ ቦታ ድሕሪ ምሓዛ ምስ ኣፍሪቃ እትግበሮ ድምጾ ካብቲ ቀንዲ ቀዳምነታ ገይራ ክትሰርሕ ምዃና ቃል ኣትያ ነይራ። እዚ ከኣ ኣብታ ኣህጉር ዓቢ ጽልዋ ንዝገበራ ዘለዋ ከም ቻይና፡ ሩስያ፡ ህንዲ፡ ጃፓንን ቱርኪን ንምምዕርራይ ምዃኑ ኣገልግሎት ዜና ፈረንሳ የመልክት።

ቀዳመይቲ ሚኒስተር ጆርጂያ መሎኒ፡ ንኢጣልያ ማእከል ተሓዳሲ ጸዓት ክትገብራ መዲባ ኣላ። ነዚ ንምዕዋት ድማ ምስ ኣፍሪቃ ኣብ ጽላታት ኣብ ትሕተ-ቅርጺ፡ ሕርሻ፡ ማይ፡ ጥዕናን ትምህርቲን ወፍሪ ንምግባር ትልሚ ኣለዋ። ነዚ ሰፊሕ ወፍሪ ዝኸውን፡ ኣብ 2022፡ ናይ 150 ቢልዮን ዩሮ ባጀት ካብ ኤውሮጳዊ ሕብረት ጸዲቑላ ነይሩ።

ካብቲ ዓቢ ባጀት፡ ሕጂ ናይ ኣስታት 2.8 ሚልዮን ዩሮ ኣብዚ ወፍሪ ማተይ ዝተሰምየ ናይ ተሓዳሲ ጸዓት መደብ ክውዕል’ዩ። ከም መደብ ኢጣልያውያን መራሕቲ፡ ካብ ኣፍሪቃ ዝፍልፍል ተሓዳሲ ጸዓት፡ ነቲ ብድሕሪ ወራር ዩክሬን ዝተሰናኸለ ሰደድ ጋዝ ሩስያ ንምትካእ ክኽእል’ዩ።

ኢጣልያ እትገብሮ ዘላ ወፍሪ ብቐንዱ ነቲ ካብ ኣፍሪቃ ዝብገስ ዋሕዚ ስደተኛታት ንምግታእ ምዃኑ’ውን ይፍለጥ። ኣብቲ ኣህጉር ወፍሪን ዕድላት ስራሕን ምስ ዝዓቢ፡ ናብ ኤውሮጳ ምጥማት ክጎድል ከም ዝኽእል ኢጣልያ ትትስፎ። እንተዀነ፡ ቀዳማይቲ ሚኒስተር ጆርጂያ መሎኒን ኣብ ስልጣን ዘሎ ሰልፋ “ኣሕዋት ኢጣልያን” ነቲ ቀዲሙ ዝተተስፈዎ ምዕጋት ስደተኛታት ኣፍሪቃ ዛጊት ኣዕጋቢ ውጽኢት ኣይረኸበሉን። እኳ ደኣ ብመንገዲ ማእከላይ ባሕሪ ናብ ኢጣልያ ዝኣትዉ ስደተኛታት ካብ 105-ሽሕ ኣብ 2022 ናብ 158-ሽሕ ኣብ 2023 ምዕባዩ ኣገልግሎት ዜና ፈረንሳ የመልክት።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG