ዋሽንግተን —
ኢጣልያ ንፕሮጀክት ኣርቲፊሻላዊ ብልሒ ዝውዕል ናይ ሓደ ቢልየን ዩሮ ወፍሪ ተበግስ ኣላ። ቀዳመይቲ ሚንስተር ጆርጅያ መሎኒ ኣብ መግለጺኣ፡ እቲ ወፍሪ ምስ CDP Venture Capital ዝተባህለ ኣለቃሓይ ብምትሕብባር ከም ዝካየድ ሓቢራ።
መሎኒ ኣስዒባ፡ ኢጣልያ ኣብዚ ዓመት ኣብ ጉጅለ ሸውዓተ ዝዓበያ ደሞክራሲ ዘለወን ሃገራት ንዘለዋ ናይ መሪሕነት ተራ ተጠቒማ ኣብ ጽልዋታት ኣርቲፊሻላዊ ብልሒ ከምኡ`ውን ኣብ ዕዮን ማዕርነትን ዝ ህልዎ ዘይምዕሩይ ጽልዋ ክተተኩር ምዃና ብምግላጽ፡ ብኻልእ ገጽ ግን ነቲ ቴክኖሎጂ ኣብ ምምዕባል`ውን ውሕስነት ክተንጽፍ ከም ትደሊ ገሊጻ።
"ኢጣልያ ምስ ናታ ዝኸይድ ኣርቲፊሻላዊ ብልሒ ክህልዋ እያ ትደሊ" ዝበለት ቀዳመይቲ ሚንስተር ጆርጅያ መሎኒ፡ መንግስታ ቀጥዒ ዘትሕዝ ሕጊ ከውጽእ ኣብ መስርሕ ከም ዘሎ እውን ሓቢራ`ላ።
ቅጥዒ