ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኢጣልያ ሰራሕተኛታት ካብ ኢትዮጵያ፡ ኣይቨሪኮስትን ሊባኖስን ከምትቕበል ኣፍሊጣ


ቀዳማይቲ ሚንስተር ጆርጅያ መሎኒ - ፋይል
ቀዳማይቲ ሚንስተር ጆርጅያ መሎኒ - ፋይል

ማሕበረሰብ ሳንት’ኤጊዲዮ ዝተባህለ ናይ ካቶሊክ ግብረ-ሰናይን ተሓላቒ ጉጅለን ኢጣልያ ዝምራሕ ናይ ፈተነ ፕሮጀክት ስደተኛታት ዘይኮኑ 300 ሰራሕተኛታት ካብ ሊባኖስ፣ ኣይቨሪኮስትን ኢትዮጵያን ከምዝቕበል ኣፍሊጡ።

ብመሰረት ፀብፃብ ኣገልግሎት ዜና ሮይተርስ ሳንት’ኤጊድዮ ምስ ሚንስትሪ ውሽጣዊ ጉዳያት ኢጣልያ ዝተሰማምዐሉ ብቀዳማይቲ ሚንስተር ጆርጅያ መሎኒ ዝምራሕ የማናይ ምንቅስቓስ ኣብቶም ዘይስሩዕ ስደተኛታት ተሪር መርገፂ ብምሓዝ ንሕጋዊያን ስደተኛታት መገዲ ዝኽፈተሉ ኣገባብ ንምሓዝ ብዝኣተዎ መብጽዓ መሰረት "ናይ ስራሕ ኮሪደር’’ ንምፍጣር እዩ።

ኢጣልያ ሓንቲ ካብተን ኣብ ዓለም ብዝሒ ህዝበን ብቕልጡፍ ይጎድል ዘለዋ ሃገራት እያ። በዚ ምኽኒያት ድማ ትሑት ደሞዝ ኣብ ዝኸፍሉ ስራሓት ፋብሪካ፣ እንግዶትን ምሕብሓብ ብዕድመ ዝደፍኡ ዜጋታትን ሕፅረት ሰራሕተኛታት የጋጥም ኣሎ። ጉጅለታት ንግዲ ካብ ሃገራት ሕብረት ኣውሮጳ ወፃኢ ካብ ዝርከባ ትሑት አታዊ ዘለወን ሃገራት ዝተሓተ ክፍሊት ዝኽፈሎም ሰራሕተኛታት ንምቁጻር ፃዕርታት ከካይዱ ፀኒሖም እዮም።

ሰራሕተኛታት እቲ ገባሪ ሰናይ ጉጅለ ሰባት ኣብ ሃገሮም እንከለው ኣብ ምምራፅን ምቁጻርንን ስደተኛታት ክሳተፉ ቋንቋ ኢጣልያን ካልእ ሞያዊ ስልጠናን ኣብ ምሃብን ከምዝሕገዙን ይሕብር።

ኣብ ዝሓለፈ ዓመት 158,000 ዘይሕጋዊያን ስደተኛታት ብማእከላይ ባሕሪ ኣቢሎም ካብ ሰሜን ኣፍሪቃ ናብ ኢጣልያ ምእታዎም ይፍለጥ።

ምምሕዳር ቀ/ሚ መሎኒ ካብ 2023-2025 ቁጽሪ ካብ ሃገራት ሕብረት ኣውሮጳ ወፃኢ ንዝኾኑ ዜጋታት ዝወሃብ ናይ ስራሕ ቪዛ ናብ 452,000 ክብ ኣቢልዎ'ዩ።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG