ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣብ ጣልያን ንግዳያት ማእኸላይ ባሕሪ ዝተገብረ መንግስታዊ ስነ-ስርዓት ቐብሪ ወይ ዝኽሪ


ኣብ ጣልያን ዝተገብረ መንግስታዊ ስነ ስርዓት ዝኽሪ
ኣብ ጣልያን ዝተገብረ መንግስታዊ ስነ ስርዓት ዝኽሪ

ካብቲ ሓደጋ ብህይወቶም ዝደሓኑ ኣብቲ መንግስታዊ ስነ-ስርዓት ዝኽሪ ከይካፈሉ ተኸልኪሎም


ኣብ ጣልያን ዝተገብረ መንግስታዊ ስነ ስርዓት ዝኽሪ
ኣብ ጣልያን ዝተገብረ መንግስታዊ ስነ ስርዓት ዝኽሪ

ጣልያን ሎሚ መዓልቲ 21 ጥቅምቲ 2013 ዓ.ም ኣብ ከተማ አግሪጀንቶ ንግዳያት ማእኸላይ ባሕሪ መንግስታዊ ስነ-ስርዓት ቐብሪ ወይ ዝኽሪ ኣካይዳ።

አብቲ ኣብ ደንደስ ባሕሪ አግሪጀንቶ ዝተኻየደ መንግስታዊ ስነ ስርዓት ዝኽሪ ሰበ-ስልጣን ጣልያን ፡ ኣብ ጣልያን ናይ ኤርትራ ኣምባሳደር ምስ ሙሉኣት ኣባላት'ቲ ኤምባሲን ካብ ዝተፈላለያ ሃገራት ኤውሮጳ ዝመፁ ስድራ'ቶም ግዳያት ዝኾኑን ዘይኮኑን ኤርትራውያን ከምኡ'ውን ጣልያናውያንን ካልኦትን ተረኺቦም።

እዚ ከምዚሉ ኸሎ ኣብ ሮማ ዝነብሩ ኤርትራውያንን ኢትዮጵያውያንን ብሓባር ሽምዓ ብምብራህ ነቶም ግዳያት ላምፐዱዛ ንምዛካር ስነ-ስርዓት ዝኽሪ ኣካይዶም።
ኣብ ጣልያን ዝተገብረ መንግስታዊ ስነ ስርዓት ዝኽሪ
ኣብ ጣልያን ዝተገብረ መንግስታዊ ስነ ስርዓት ዝኽሪ

ብኻልእ ወገን ኸኣ እቶም ካብቲ ሓደጋ ብህይወቶም ዝደሓኑ ኣብቲ መንግስታዊ ስነ-ስርዓት ዝኽሪ ከይንካፈል ተኸልኪልና ክብሉ ኣማሪሮም።

ሙሉእ ትሕዝትኡ ንምስማዕ ናብ ምልክት ድምፂ ብምኻድ ጠውቁ።
TIG-Italiy-State-Funeral
please wait

No media source currently available

0:00 0:14:18 0:00
መራገፊ
XS
SM
MD
LG