ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ሓለዋ ባሕሪ ኢጣልያ ኣስታት 1,200 ስደተኛታት ካብ ማእከላይ ባሕሪ ምድሓኑ ገሊጹ


ሓለዋ ባሕሪ ኢጣልያ ኣብ ክልተ ጀላቡ ንዝነበሩ 1,200 ስደተኛታት ንምድሓን ስርሒት ህይወት ኣድህን የካይድ ምህላው ዝመጸና ዜና ገሊጹ።

ሓለዋ ባሕሪ ኢጣልያ ኣብ መግለጺኡ ካብ ዓርቢ ጀሚሩ ኣስታት 1,200 ሰባት ከምዘድሐነ ጠቒሱ ኣሎ።

ንብረት ገፈፍቲ ዓሳ ዝኾነት ሓንቲ ጀልባ 800 ሰባት ኣሳፊራ ከምዝነበረት’ውን እቲ ዜና ይሕብር። ብሰንኪ ብዝሒ ተሳፈርቲ መስርሕ ምድሓን ዝተሓላለኸ ኮይኑ ኣሎ፣ ብዘይካ'ዚ ሓንቲ ናይ ንግዲ መርከብ ነቶም ሓለውቲ ወሰን ሓገዝ ኣብ ምብርካት ከምትርከብ ዝመጸና ገሊጹ።

ብተመሳሳሊ 400 ሰባት ኣሳፊራ ትጉዓዝ ዝነበረት መርከብ፣ ኣብ ሞንጎ ማልታን ግሪክን ሚዛና ከምዝሳሓተትን ብማይ ተገዲዳ ትውሰድ ከምዘላን፣ ደወል ኣገልግሎት መጠንቀቂ ሓቢሩ።

እዚ ተጓንፎ’ዚ ኣጋጢሙ ዘሎ፣ ብዝሒ ካብ ሰሜን ኣፍሪቃ ብማእከላይ ባሕሪን ዝሰግሩ ሰባት ኣብ ዝናሃረሉ እዋን እዩ።

ጀርመናዊ ዘይመንግስታዊ ትካል ሲ ዋች ኢንተርናሽናል እታ ሓደጋ ዘጋጠማ መርከብ ምስ ካልኦት ክልተ ናይ ንግዲ መራኽብ ኣብ ጥቃዓ ከምዝረኸበን ጠቂሱ ኣሎ። ሰበ ስልጣን ማልታ፣ ስርሒት ምድሓን ህይወት ንከየካይዳ፣ ሓንቲ መርከብ ግና ነዳዲ ክትቕርበላ ከምትኽእል ገሊጾም ኣለው።

ታሕተዋይ ክፋል’ታ መርከብ ማይ ከምዝኣተዎ፣ መራሒ’ታ መርከብ ኣብ ስፍርኡ ከምዘየለን፣ ዝመርሓ ሰብ ከምዘይብላን’ውን እቲ ዜና ይሕብር።

XS
SM
MD
LG