ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኢጣልያ፡ ኣብ ኢትዮጵያ ዝተሰርሐት ናይ ፈለማ ነፋሪት መሊሳ


ቀ/ሚ ኣብይ ኣሕመድ ኣብ እዋን'ቲ ርክኽብ
ቀ/ሚ ኣብይ ኣሕመድ ኣብ እዋን'ቲ ርክኽብ

ኣብ ኢትዮጵያ ከም ዝተስርሐት ዝንገር ናይ ፈለማ ነፋሪት ብኢጣልያ ተወሲዳ ድሕሪ ምጽናሓ፡ ድሕሪ 90 ዓመታት ምምላሳ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣቢይ ኣሕመድ ኣፍሊጡ።

ቀዳማይ ሚኒስተር ኣቢይ እታ “ጸሃይ” ዝተሰምየት ነፋሪት ካብ መንግስቲ ኢጣልያ ድሕሪ ነዊሕ ክርክር ክምለሱዋ ምኽኣሎም ዝተሰምዖ ሓጐስ ኣብ ማሕበራዊ ገጻት ኤክስ ኣቐዲሙ ትዊተር ዝፍለጥ ገጻት ማሕበራዊ መራኸቢ ኣካፊሉ ኣሎ። እታ ቀያሕ፡ ኽልተ ሰባት እትሕዝ ነፋሪት ኣብ 1935 ኣብ እዋን ሃጸይ ሃይለስላሴ ዝተሰርሐት ምዃና ኣገልግሎት ዜና ፈረንሳ የመልክት።

እታ ነፋሪት ብጀርመናዊ መሃንድስን ኣብራሪ ንጉስ ሃይለስላሴ ዝነበረን ሀር ሉድዊግ ወበርን ካልኦት ዜጋታት ኢትዮጵያን ምስራሓ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣቢይ ኣብቲ ዘካፈሎ ናይ ኤክስ መልእኽቲ ጠቒሱ።

እታ ነፋሪት ኢጣልያ ኣብ 1935 ንኢትዮጵያ ምስ ወረረታ ዝተወስደት’ያ። ብኢጣልያውያን ኣብ ዝተወርሰተሉ እዋን እታ ነፋሪት ን30 ሰዓታት ዝኣክል በሪራ ምንባረ ይፍለጥ። ካብ 1941 ኣትሒዛ ኣብ ቤተ-መዘከር ሓይሊ ኣየር ኢጣልያ ተቐሚጣ ዝጸንሐት ነፋሪት፡ “ጸሃይ” ብስም ጓል ንጉስ ሃይለስላሴ ዝተጸውዐት’ያ።

እቲ ነፋሪት ናይ ምርኽኻብ ስነ-ስርዓት ምስቲ ኣብቲ ንዋዕላ ኣፍሪቃ-ኢጣልያ ኣብ ሮማ ዝተረኽበ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣቢይ’ዩ ተኻዪዱ።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG