ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኢጣልያ: 470 ወተሃደራት ናብ ኒጀር ንምልኣኽ ትውጥን


መንግስቲ ኢጣልያ 470 ወተሃደራት ናብ ኒጀር ክልእኽ ከምዝወጠነ ኣፍሊጡ።

ብመሰረት ሓበሬታ ጠቕላሊ ወተሃደራዊ ስታፍ እቶም ወተሃደራት ኣብ ምቁጽጻር ዘይሕጋዊ ምስግጋር ደቂ ሰብ ዝሳተፉ እዮም።

ቀዳማይ ሚኒስተር ፓውሎ ጀንቲሎኒ ብወገኖም: ድሕሪ ናይ ዒራቕ ዓወት: ኢጣልያ ኣብ ዒራቕ ካብ ዘለውዋ 1400 ወተሃደራት ኣስታትናብ ኒጀር እትርከቦ ዞባ ሳሕል ምዕራብ ኣፍሪቃ ክትልእኽ ከምእትኽእል ኣቐዲሞም ገሊጾም ነይሮም።

ንሶም ኣብ መግለጺኦም እቶም ሰራዊት ኣብ ምምካት ግብረሽበራውን ክሳተፉ ምዃኖም'ዮም ኣፍሊጦም።

ብመሰረት ጻውዒት ሓገዝ መንግስቲ ኒጀር: ሓደ ተልእኾ ዳህሳስ እቲ ዘድሊ ሓገዝ ንምጽናዕ ኣብ ኒጀር ከምዝገበረ ዝሓበረ መግለጺ ጠቕላሊ ወተሃደራዊ ስታፍ ኢጣልያ: ነቲ ውሳነ ምልኣኽ ሰራዊት ካብ ባይቶ ጥልያን ምጽዳቕ ከምዘድልዮ ብተወሳኺ ኣረዲኡ።

XS
SM
MD
LG