ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኢጣልያ ንመራኽብ ህይወት ኣድሕን ዝምልከት ሓድሽ ሕጊ ኣውጺኣ


ኢጣልያ ንመራኽብ ህይወት ኣድሕን ዝምልከት ሓድሽ ሕጊ ኣውጺኣ
please wait

No media source currently available

0:00 0:03:37 0:00

ኢጣልያ ንመራኽብ ህይወት ኣድሕን ዝምልከት ሓድሽ ሕጊ ኣውጺኣ

ኢጣልያ ኣብ ማእከላይ ባሕሪ ስርሒት ህይወት ኣድሕን ንዘካይዱ መራኽብ ብዝምልከት ዘውፅኣቶ ሓድሽ ሕጊ ኣብ ስርሓት ህይወት ኣድሕን ከም ድላዮም ንከይንቀሳቐሱ ይኽልክሎም ከምዘሎ እቶም ገበርቲ ሰናይ ይገልፁ። ሰበስልጣን ሓለዋ ባሕሪ ኢጣልያ ድማ እቲ ምቅንስቓስ ውሱንን ብሕጊ ዝተደረተን ክኸውን ኣለዎ ይብሉ። ኣ

ኣብዚ ዓመት ነታ ኣብ ማእከላይ ባሕሪ ኣብ ጭንቂ ንዝርከቡ ስደተኛታት ቕልጡፍ ናይ ምድሓን ስራሕ እናዳሰርሐት ከላ ሕጊ ጥሒሳ ብዝብል ዝተኣሰረትን ዝተቐፅዐትን መርከብ ናብ ስርሓ እትምለሰሉ እዩ። ኦስሃን ቫይኪንግ ዝተባህለት መርከብ ህይወት ኣድሕን ናይ ገበርቲ ሰናይ መርከብ እያ። ሰበስልጣን ኢጣልያ ንስራሕ ከምዚአን ዝበላ መራኽብ ጉጅለታት ግብረ ሰናይ ዒላማ ይገብሩወን። ሰራሕተኛታት እዛ መርከብ ኣብ ዘይፍቀድ ከባቢ ኣትዮም ተባሂሎም ምስ ተኸሰሱ እታ መርከብ ኣብ ቀይዲ ኣትያ'ያ ፀኒሓ።

ሰበስልጣን ኢጣልያ ነታ 68 ሜትሮ ንውሓት ዘለዋን ኤስኦኤስ ሜዲተራንያ ብዝብል ሓደ ጉጅለ ኣውሮጳዊያን እትካየድ መርከብ ኣብ ውሽጢ ኣዋርሕ ክኣስሩዋ እዚ ንኻልኣይ ግዜ እዩ። እቲ ሕጊ መንግስቲ ኢጣልያ ኣብ ባሕሪ ስርሓት ህይወት ምድሓን ንዘካየዳ ገበርቲ ሰናይ ንምቁፅፃር ዘውፅኦ ሓደ ዓመት ዘቁፀረ ኣዋጅ እዩ።

ተሪር መርገፂ ብዘለዎ የማናይ ክንፊ ዝምራሕ መንግስቲ ቀዳመይቲ ሚንስተር ጆርጂያ መሎኒ ከም ኣካል እቲ ዋሕዚ ናብ ኣውሮጳ ዝኣትው ሓተትቲ ዑቕባ ስደተኛታት ንምዕጋት ዝገብሮ ፃዕሪ ነቲ ኣዋጅ ኣውፂኡዎ።

ሰበስልጣን ሓለዋ ባሕሪ ኢጣልያ ኣብ ማእኸላይን ሰሜናውን ኢጣልያ ኣብ ዝርከባ ወደባት ብውልቂ ዝውነና ናይ ህይወት ኣድሕን መራኽብ ብስሩዕ የዋፍሩ ወይ ይምድቡ ኣለው።

መራኽብ ገበርቲ ሰናይ ጉጅለታት ብዘይፍቓድ ብዙሕ ናይ ህይወት ምድሓን ስርሒት ከይሰርሓ ሰበስልጣን ከልኪሎም ኣለው።

መንግስቲ እቲ ስጉምቲ ዝወሰደ ኣብ ደቡባዊ ኢጣልያ ዘሎ ብዝሒ ስደተኛታት ንምቅላልን ብሓደገኛ ጉዕዞ ካብ ሰሜን ኣፍሪቃ ማእከላይ ባሕሪ ኣቋሪጾም ኣውሮጳ ንምብጻሕ ዝፍትኑ ስደተኛታት ንምቁፅፃርን ዝዓለመ እዩ ይብል።

ክሳብ ሎሚ 13 ወይ 14 ብገበርቲ ሰናይ ዝንቀሳቐሳ ናይ ህይወት ኣድሓን መራኽብ ብዝተፈላለዩ ጥሕሰታት ተቐይደን ኣለዋ። ጉጅለታት ገበርቲ ሰናይ ምንቅስቓሶም ንስደተኛታት ዘተባብዕ እዩ ንዝብል ክሲ ኣይቕበሉዎን።

ኤስኦኤስ መዲትራኒ ን 200 ሰባት ካብ ባሕሪ ምስ ኣድሓነ ካብ ዝተኣዘዝሉ ወደብ ባሪ ወፂኦም ተንቀሳቂሶም ብዝብል ተኸሲሱ ኣሎ።

ኦሻን ቫይኪንግ ክትጉዓዘሉ ካብ ዝተነገራ ቦታ ርሒቓ ምስተረኸበት ሰበስልጣን ኢጣልያ ከይትንቀሳቀስ ከልኪሎምዋ።

ኤስኦኤስ መዲትራኒን ኣለሳንድሮ ፖሮ "ንትእዛዝ ሓለዋ ባሕሪ ኢጣልያ ኣይተኸተልኩምን ተባሂልና ኢና ተኸሲስና ዘለና። ናትና ጌጋ ንናይ ባሕሪ ሕጊ ብምንባርና እዩ’’ ኢሉ ።

እቶም ሰራሕተኛታት በቲ ዝተመደበሎም 30 ታሕሳስ 2013 ኣብ ባሪ ክበፅሑ መደብ እንተነበረ እውን እታ መርከብ ን20 መዓልታት ክትቕየድን 3,600 ዶላር መቕፃዕትን ክኸፍሉ ትእዛዝ በፂሑዎም። እቲ ቀይዲ ዓርቢ ከብቅዕ እዩ። ኤስ ኦ ኤስ መዲትራኒ ኩነታት ኣየር እንተፈቒዱ ስርሖም ብቕልጡፍ ክጅምሩ ተስፋ ኣለዎም።

ሜሪ ፊን ካብ ኦሻን ቫይኪንግ"ስራሕና ጠጠው ንክነብል ይቐርብ ዘሎ ስልቲ ምዃኑ ንፈልጥ ኢና’’ ድሕሪ ምባል "ሰብኣውነት ኣብ ጎንና ዘይምዃኑ ወይ ሰበስልጣን ኣብ ጎንና ዘይምዃምን ቃንዛ ይስምዐካ። ምኽኒያቱ ነዚ ክንሰርሕ ከለና ርትዓዊ ነገር ኢና ንፍፅም ዘለና’’ ኢላ።

ኣብ ናይ ቀ/ሚ መሎኒ ገዛኢ ፓርቲ ኣተሓባባሪት ፖሊሲ ስደተኛ ሳራ ካላኒ ምድሓን ህይወት ቀዳምነት ክወሃቦ ዘለዎ ስራሕ ምዃኑ ትሰማማዕ። እንተኾነ ግን ኣብ ማእከላይ ባሕሪ ምንቅስቓስ ብገበርቲ ሰናይ ዝውነና መራኽብ ውሱንን ሕጋዊን ክኸውን ኣለዎ ትብል።

ሳራ ኣብ ማእከላይ ባሕሪ ንተልእኾታት ሰብኣዊነት ዘተሓባብሩ መብዛሕቲኦም ጉጅለታት ናይ ሕብረት ኣውሮጳ ፖሊስታት ስደተኛ ክቕይሩ ፖለቲካዊ ዕላማ ሒዞም እዮም ዝንቀሳቐሱ ክትብል ትኸስስ።

ብመሰረት ሓበሬታ ሕቡራት ሃገራትን ኢጣልያን ዝሓለፈ ዓመት ብማእከላይ ባሕሪ ኣቢሎም ኣውሮጳ ካብ ዝኣተው እቶም 60% ካብ ሰሜን ኣፍሪቃ ዝመጹ እዮም።

እዚ ከምዚ ኢሉ እናሃለወ ኣብ 2013፡ 3,000 ሰባት ኣብ ማእከላይ ባሕሪ ምጥሓሎም ዓለምLአ ትካል ስደተኛታት ይሕብር። ካብ 2014 ንደሓር ድማ ኣብ ማእከላይ ባሕሪ ዝሞቱ ወይ ሃለዋቶም ዘይተፈልጠ 28,600 ሰባት ኣለው።

ሕግታት ባሕሪ መንግስቲ ኢጣልያ ኣብ ቁፅሪ ናብ ኣውሮጳ ይኣትው ዘለው ስደተኛታት ፅልዋ ዘለዎ እንተኾይኑ ንፁር ኣይኮነን።

መንግስቲ ቀ/ሚ መሎኒ ኣብ 2022 ናብ መዝነት ምስ መጸ ዋሕዚ ስደተኛታት ንምዕጋት መፅብዓታት ኣትዩ ነይሩ። ብዝሒ ዝሰገሩ ስደተኛታት ኣብ 2022፡ 15,000 ዝነበረ ኣብ 2023 ናብ ልዕሊ 157,000 ክብ ኢሉ ኣሎ።

ቀ/ሚ መሎኒ ሰባት ናብ ኣውሮጳ ከይመፁ የግዳስ ዜጋታት ተስፋ ከይቆረፁ ወይ ካብ ኣፍሪቃ ከይወፁ ቁጠባዊ ዕድላት ክረኽቡ ዘኽእሎም ውዕላት ክግበሩ ክትደፍአሉ ፀኒሓ ኣላ። ዝርዝር ናይቲ ውጥን ግን ገና ወግዓዊ ኣይኮነን።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG