ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ሰበ-ስልጣን  ጣሊያን ን38 ተጠርጠርቲ ኣስገርቲ ደቂ ሰባት ቀይዶም


ሰበስልጣን ጣሊያን ብሓገዝ ሓደ ኤርትራዊ ን25 ኤርትራዊያን፣ 12 ኢትዮጵያዊያንን ሓደ ጣሊያናውን ብድምር ን38 ተጠርጠርቲ ኣስገርቲ ደቂ ሰባት ትማሊ ሰኑይ​ ምሓዞም ገሊፆም።

‘’ፍልሰኛታት ዘዘዋውር ሓደገኛ መርበብ ገበነኛታት ተበታቲኑ’ሎ’’ኢሎም ምንስቴር ውሽጢ ሃገር ጥሊያን ኣንጀሊኖ ኣልፋኖ ብናይ ቲዊተር መልእኽቶም።

ኣብ 2014 ኣ/ፈ ኣብ ሲሲሊ ዝተኣሰረ ሓደ ወዲ 32 ዓመት ኤርትራዊ ሓለዋ ከምግበረሉ ካብ ሰበስልጣን ምስተገለፀሉ ብምትሕብባሩ እዩ እቲ ጉጅለ ኣብ ሮም፣ሰሜናዊ ጥሊያንን ሲስልሲን ኣብ ቁፅፅር ዝውዓለ።

‘’ኣዚዩ ብዙሕ ሞት የጋጥም ስለዘሎ ክተሓባበር ወሲነ’’ ምባሉ ሰበስልጣን ጠቒሶምዎ ኣለው።

ሰበስልጣን ጥሊያን ብዛዕባ እዞም ኣብ ሰሜን ኣፍሪካ፣ጥሊያንን ካልኦት ሃገራት ኣውሮፓን ዝንቀሳቐሱ ነጋዶ ደቂ ሰባትን ምንቅስቓሶምን ንፈለማ ግዜ ክርድኡ ከምዝኽኣሉ ፖሊስ ገሊፁ’ሎ።

እቲ ኤርትራዊ እቶም ኣዛወርቲ ደቂ ሰባት ገንዘብ ክኸፍሉ ንዘይኽእሉ ስደተኛታት ቀቲሎም ኣካሎም ንምሻጥ’ዃ ከመይ ሰጋእ ከምዘይብሉ ዝርዝር ኣሰቃቒ ምስክርነት ሂቡ’ሎ።

ፖሊስ ኣብ ዝሓለፈ​ ወርሒ ሮማ ኣብ ዝርከብ ኣፓርትመንት ብዘካየዶ ሃንደብታዊ ፍተሻ ኩምራ ገንዘብ ማለት 526 ሽሕ ዩሮን 25 ሽሕ ዶላርን ከምኡ እውን ናይቲ ጉጅለ ዝተመዝገበ ዝርዝር ምንቅስቓስን ሒዙ’ሎ።

XS
SM
MD
LG