ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ሓይሊ ባሕሪ ጣልያን ነቶም ንሓደገኛ ጉዕዞ ባሕሪ ሜድትራንያን ብጀልባ ይሰግሩ ንዝነበሩ ልዕሊ ሽሕ ስደተኛታት ከምዘድሐነ ዝረኸብናዮ ዜና ሓቢሩ።

ሓይሊ ባሕሪ ሎሚ ዓርቢ ኣብ ዝዘርገሖ ዜና፣ኣብ ሓደ ወፍሪ ክሳብ 832 ስደተኛታት ድሒሩ 233 ሰባት ከምዝሓገዘ ኣፍሊጡ።

እቶም ስደተኛታት ካብ ኣፍሪቃ፣ደቡብ እስያን ማእከላይ ምብራቅን ዝመፁ ምኳኖም‘ውን ጣልያን ሓቢራ‘ላ።

ዓሚ ኣብ ጥቃ ለምፐዱሳ 359 ስደተኛታት ድሕሪ ዝሃለቁሉ ሓደጋ፣ጣልያን ኣብ‘ቲ ከባቢ ሓለዋ ኣጠናኺራ‘ላ።
XS
SM
MD
LG