ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ዋዕላ ስርዓት ምዕቃብ መግቢ ኣብ ኢጣልያ ይቓናዕ'ሎ


ሕቡራት ሃገራት ዘዳለዎ ዋዕላ ስርዓት ምዕቃብ መግቢ ትማሊ ሰኑይ 24 ሓምለ 2023 ኣብ ከተማ ሮማ ኢጣልያ ዝርከብ ቀንዲ ቤት ፅሕፈት ትካል መግብን ሕርሻን ሕቡራት ሃገራት(FAO) ተጀሚሩ። መራሕቲ ልዕሊ 20 ሃገራት ኣብ ዝተረኽብሉ ዝሳለጥ ዘሎ ዋዕላ: ዓለምለኸ ስርዓት ሕርሻን መግቢን ንምቅያር ቅልጡፍ ስጉምቲ ክውሰድ ጻውዒት ቐሪቡ'ሎ።

እዚ ንሰለስተ መዓልታት ዝፀንሕ ዋዕላ ብምትሕብባር ዋና ፀሓፊ ሕቡራት ሃገራትን ኣብ ከተማ ሮማ ኢጣልያ ዝርከባ ትካላት ሕቡራት ሃገራት ( ዝተዳለወ ኮይኑ ድሕሪ እቲ ኣብ 2021 ዝተኻየደ ፈላማይ ዋዕላ ስርዓትን ዝተረኽበ ምዕባለታት ንምግምጋም ዝዓለመ እዩ።

ኣብ መኽፈቲ እቲ ስነ-ስርዓት ዋና ፀሓፊ ሕቡራት ሃገራት ኣንቶንዮ ጉተረስን ቀዳመይቲ ሚንስትር ጆርጅያ ሜሎኒን ዝተምርሓ ኮይኑ: ዋና ፀሓፊ ኣንቶንዮ ጉተረዝ ንኩነታት ውሕስነት መግቢ ብዝምልከት “ዓለምለኸ ስርዓት ኣመጋግባ ተበቲኹ እዩ፣ በዚ ምክንያት ብብልዮናት ዝቑፀሩ ሰባት ዋጋ ይኸፍሉ ኣለዉ፣ ልዕሊ 780 ሚልዮን ሰባት ንጥምየት ክቓልዑ ከለው ሓደ ሲሶ ካብቲ ዝዳሎ መግቢ ድማ ይባኽን ወይ ይጠፍእ። ከምኡ'ውን ልዕሊ ሰለስተ ቢልዮን ዝኾኑ ድማ ዝተመጣጠነ መግቢ ንምግዛእ ዓቕሚ የብሎምን” ኢሎም።

ንሶም ወሲኾም “ፈደረሽን ሩስያን ዩክሬንን ክልቲአን ንዓለምለኸ ውሕስነት መግቢ ኣገደስቲ እየን። ብወገነይ ካብ ክልቲአን ሃገራት ዝመፁ ፍርያት መግብን ዱኽዕን ብዘይገለ ዕንቅፋት ናብ ዕዳጋታት ዓለም ንኽበፅሑ ንምትዕርራይን ነፍሲ ወከፍ ሰብ ዝግብኦ ውሑስ መግቢ ንኽረክብ ዘለኒ መርገፂ ፅኑዕ እዩ። ፈደረሽን ሩስያ ምስቲ ዳሕረዋይ እማመይ ተሰማሚዓ ናብ ኣተገባብራ ተበግሶ ፀሊም ባሕሪ ክትምለስ ይፅውዕ። ማሕበረሰብ ዓለም እውን ኣብዚ ኣገዳሲ ፃዕሪ ንኣድማዒ ፍታሕ ብሓንሳብ ጠጠው ክብል እላቦ” ኢሎም።

ጉተረስ ኣብ ዘላቒ፣ ፍትሓዊ፣ ጥዑይን ተፃዋርን ስርዓት መግቢን ሕርሻን ሰፊሕ ወፍሪ ክግበር ሓቲቶም። ከምኡ'ውን ኣብ ፕላኔትና ዘሎ ትርጉም ኣልቦ ኲናት ደው ንምባልን ምውሳኽ ሙቐት ዓለም ናብ 1.5 ዲግሪ ሴንቲግሬድ ንምድራትን ዝሕግዝ ኣሰር ካርቦን ስርዓታት መግቢ ንምንካይ መንግስታትን ትካላት ንግድን ብሓባር ክዓዩ ፀዊዖም።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG