ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኢጣልያ - ምስ ኣብ መጽንሒ ስደተኛታት ዝተላዕለ ዕግርግር ዝተሓሓዝ 14 ሰባት ትኣስር


መጽንሒ ስደተኛታት ኢጣልያ
መጽንሒ ስደተኛታት ኢጣልያ

ሰበ-ስልጣን ኢጣልያ ኣብ ጥቃ ከተማ ሮማ ኣብ ሓደ ማእኸል መጽንሒ ወይ መዳጎኒ ስደተኛታት ሓደ መንእሰይ ርእሰ ቅትለት ድሕሪ ምፍጻሙ ብሰንኪ ዝተላዕለ ዕግርግር ትማሊ ሰኑይ 14-ሰባት ኣሲሮም።

በቲ ዝተላዕለ ህውከት ክልተ ፖሊስን ሓደ ወታሃደርን ቆሲሎም'ለዉ። እቶም ስደተኛታት ናብቲ መኻይን ጠጠዉ ዝበላሉ ብምኻድ ንሓንቲ ጠጠው ኢላ ዝነበረት መኪናን ፈርናሻትን ብሓዊ ምንዳዶም ተገሊጹ'ሎ።

ነቲ ዕግርግር ንምቁጽጻር ፖሊስ ዘንብዕ ጋዝ ምጥቃሞምን ተፈሊጡ'ሎ።

ከም መግለጺ ፖሊስ ኢጣልያ እቲ ጸገም ዝተፈጥረ ሬሳ ርእሱ ዝቀተለ ወ ዲ 21-ዓመት ጋናዊ መንእሰይ ምስ ተረኽበ እዩ ።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG