ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

500 ዝኾኑ ሰባት ፅዒና ዝነበረት ጀልባ ኣብ ጥቃ ደሴት ጣልያን ጥሒላ


ITALY-MIGRANTS/
ITALY-MIGRANTS/

መብዛሕቲኦም ኤርትራውያን፡ኢትዮጵያውያንን ሶማሊያውያንን`ዮም ይብሃል

ንኣፍሪካዊያን ስደተኛታት ዝፀዓነት ጀልባ ኣብ ጥቓ ናይ ጣሊያን ደሴት ላምፐዱሳ ሎም መዓልቲ ሓሙስ ብሓዊ ተባሪዓ ብምጥሓላ ብዉሑዱ 130 ሰባት ሞይቶም።

ሓለውቲ ወሰናስን ባሕሪ ጣልያን ዛጊድ ን150 ሰባት ከምዘድሓኑን ንዘይተረኸቡ ካልኦት እውን ምንዳዮም ከምዝቐፀሉን ኣፍሊጦም ኣለው።

እታ ጀልባ 500 ዝኾኑ ሰባት ፅዒና ከምዝነበረትን መብዛሕቲኦም ካብ ኤርትራ ወይ ካብ ሶማል እዮም ዝብል እምነት ከምዘሎን ሰበስልጣን ሓቢሮም።

ኣብታ ጀልባ ዝነበሩ ሰባት ብጥቓኣ ትሓልፍ ናይ ዝነበረት መርከብ ኣቓልቦ ንምርካብ ክብሉ ናይ ሓዊ መብራህቲ ድሕሪ ምውልዖም እታ ጀልባ ብሓዊ ከምዝተባርዐት፡ ድሕሪኡ እቶም ተሳፈርቲ ናብ ባሕሪ ክዘሉ ከም ዝጀመሩን ከንቲባ ላምፐዱሳ ጉሲ ኒኮሊኒ ሓቢሮም።

ንጉዳይ ስደተኛታት ዝከታተሉ ኣብ ስዊዘርላንድ ዝርከቡ ኣባ ሙሴ ዘርአይ'ዉን መብዛሕትኦም ኤርትረኣውያን'ዮም ዝብል ሓበሬታ ከም ዝረኸቡ ገሊፆም'ለው።

ሙሉእ ትሕዝትኡ ንምስማዕ ነቲ ምልክት ድምፂ ጠውቁ።
Listen to the Program
please wait

No media source currently available

0:00 0:08:06 0:00
መራገፊ
XS
SM
MD
LG