ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኢጣልያ፡ ምስ መንግስቲ ዘይሰርሓ ነፈርቲ ህይወት ኣድሕን ስደተኛታት ደው ከምተብል ኣፍሊጣ


ፓርላማ ኢጣልያ - ፋይል
ፓርላማ ኢጣልያ - ፋይል

በዓል ስልጣን ሲቪል ኣቭየሽን ኢጣልያ፡ ምስኡ ተወሃሂደን ዘይሰርሓ ኣብ ማእከላይ ባሕሪ ኣብ ስርሒት ህይወት ምድሓን ስደተኛታት ዝተዋፈራ ነፈርቲ ጠጠው ከም ዘብለን ኣፍሊጡ። እተን ነፈርቲ ንመዓርፎ ነፈርቲ ቺቺልያ ከይጥቀማ ከም ዝተኣገዳ ዝገለጸት ኣብ ፓርላማ ኢጣልያ ሓላፊት ፖሊሲ ማይግረሽን ሳራ ከላኒ፡ ምስ ሰበ-ስልጣን ኢጣልያ ተወሃሂደን ዘይሰርሓ ነፈርቲ ምድሓን ስደተኛታት መሬት ከም ዝሕዛ ክግበር`ዩ ኢላ። ንሳ ወሲኻ ንሕና ንጻዕርታት ህይወት ምድሓን ክንድርት ኣይኮናን ንፍትን ዘለና ኢላ።

'ሲ-ዋች' ዝተባህለ ናይ ጀርመን ጉጅለ ህይወት ኣድሕን ግን እተን ነፈርቲ ኣብ ባሕሪ ንዝተጸገማ ጃላቡ ስደተኛታት ቁሊሕ ምባለን ክቕጽላ`የን ዝብል ምላሽ ሂቡ`ሎ። እቲ ጉጅለ ወሲኹ ኣብ ማእከላይ ባሕሪ ዘጋጥም ግህሰት ሰብኣዊ መሰላት ንምርኣይ ዝክኣል ድማ በዘን ነፈርቲ ጌርካ ጥራሕ`ዩ ይብል።

መንግስቲ ኢጣልያ ንዘይ-ሕጋውያን ኣስገርቲ ሰባት ንምሓዝ ዝገብሮ ጻዕሪ ኣብ ዘሐየለሉ ሕጂ እዋን ነቶም ናይ ህይወት ድሕነት ትካላት ድማ ነቶም ስደተኛታት ነቲ ሓደገኛ ጉዕዞ ክወስዱ ተተባብዕዎም ኣለኹም ክብል ክኸሶም ጸኒሑ`ሎ።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG