ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ሲቪላዊ ዳኛ ኢጣልያ ብዘይሕጋዊ ምስግጋር ሰባት ዝተኸሰ ኤርትራዊ ናብ ቤትፍርዲ ክቐርብ አዚዙ


ፋይል
ፋይል

ሲሲላዊ ዳኛ ኣሽሓት ስደተኛታት ብዘይሕጋዊ ናብ ኣውሮጳ ክውሕዙን ካልኦት ድማ ክሞቱን ብምግባር ዝተኸሰ ኤርትራዊ ናብ ቤት ፍርዲ ከቐርብ ሎሚ መዓልቲ ረቡዕ ኣዚዙ።

መድሃኔ ተስፋማሪያም 16 ሕዳር 2016 ኣብ ዋና ከተማ ሲሲሊ ፍርዲ ክጅምር ዳኛ ኣለሲያ ገራሲ ገሊፆም ኣለው።

መድሃኔ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ግንቦት ኣብ ሱዳን ተታሒዙ ናብ ጣሊያን ተወሲዱ።

ኣብ ኣውሮጳ ቅድሚ ሰለስተ ዓመታት ቅልውላው ስደተኛታት ካብ ዝጅምር ብዘይሕጋዊ ምስግጋር ሰባት ተጠርጢሩ፣ኣብ ኣፍሪካ ተታሒዙ ኣብ ኣውሮጳ ናብ ፍርዲ ዝቐርብ ዘሎ ፈላማይ ተጠርጣሪ እዩ።

ኣዕርኽቱን ስድራን መድሃኔ ግን ብጌጋ መንነት ዝተትሓዘ 29 ዓመት ዝዕድሚኡ ስደተኛን ናይ ገበን ድሕረ ባይታ ዘይብሉን እዩ ክብሉ ይገልፁ።መድሃኔ ንዝቐረቦ ኩሎም ክስታት ነፂጉዎም ኣሎ።

ተጠርጣሪ ብናይ ጣሊያንን ናይ ብሪታንያ ኤጅነሲ ገበንን ተዋዲዶም እዮም ኣብ ትሕቲ ቁፅፅር ውዒሉ።ሰበስልጣን ኢጣልያ እቲ ዝደለ ሰብ ምሓዞም ሕጂ እውን ይገልፁ ኣለው።ይኹን እምበር ፈለማ ጌጋ ሽም ብምሓዝ ናይ ካልእ ሰብ ስእሊ ምውፅኦም ኣሚኖም ኣለው።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይኽኣል።

XS
SM
MD
LG