ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣብ ጄኔቫ ዝተራኽቡ መራሕቲ ኣሜሪካ ሩሲያን ኣኼብኦም ዛዚሞም


ኣብ ወሰን ቃላይ ጄኔቫ ዝተራኸቡ መራሕቲ ኣሜሪካን ሩስያን፣ ስልጡንን ግን ውጥረት ዝነበሮን ትሕትና ዝተንጸባረቆን ርክብ ከምዘካየዱ ተገሊጹ። ኣሜሪካዊያን ሪፖርተራትን ሰብ ካሜራን ምስ’ቶም ‘ዘይእሩማት’ ዝተባሃሉ ሩስያዊያን ተቀናቀንቶም ዝበለጸ ስፍራ ንምሓዝ ዝተቀዳደምሉ ፍጻመ ከምዝነበረ’ውን እቲ ዜና ይሕብር።

’’ክቡር ፕሬዝዳንት ሎማዕንቲ ክንራኸብ ንዝወሰድኩምዎ ተበግሶ እመስግነኩም።ነዊሕ ከምዝተጎዓዝኩም እፈልጥ እየ’’ኢሎም ፑቲን ንፕሬዝዳንት ባይደን።’’የመስግን’’ክብሉ መለሱ ባይደን።’’ኩል ግዜ ገፅ ንገፅ ምርኻብ ዝሓይሸ እዩ ዝብል እምነት ኣለኒ’’በሉ ብምቕፃል።

እቲ ናይ ገፆም ምፅዋግን ናይ ሰውነቶም ቋንቋን ዝተፈለየ ነይሩ።ክልቲኦም ክዘራርቡ ከለው ብዙሕ ዓይኒ ንዓይኒ ኣይረኣ ኣዩን ነይሮም።

ድሕሪ ርክቦም ኣብ ዝሃቡዎ ጋዜጣዊ መግለፂ ክልቲኦም መራሕቲ ኣብ መንጎኦም ሰፊሕ ኣፈላላይ ከምዘሎ ብንፁር ተዛሪቦም ኣለው።ፕሬዝዳንት ባይደን ናይ መፈራረሒ መግለፂ ኣይሃቡን ግን ሩሲያ ትፍፅሞ ኣብ ዝብሃል ናይ ሳይበር መጥቓዕቲ ዝተሰመረ ቀይሕ መስመር ምጥሓስ እዩ ዝብል ሓዊሱ ተኸታታሊ መጠንቀቕታ ፈኒዮም ኣለው።

ናይ ዩናይትድ ስቴትስ መራሒ ናይ ሩሲያ ተቓዋሚ መራሒ ኣሌክሲ ናቫልኒ ኣብ ቤት ማእሰርቲ እንተድኣ ሞይቱ ‘’ከበድቲ ሳዕቤናታት’’ ከምዝኽተሉ ኣጠንቂቖም ኣለው።Financial Times ሓዊሱ ብርክት ዝበላ ናይ ኣውሮፓ ፍሉጣት ጋዜጣታት እውን ነዚ መተሓሳሰቢ ኣርእስቲ ገይረን ኣውፂኦኖ ኣለዋ።

‘’ብኣካል ንምርኻብ ኣድላይ ዝኾነሉ ምኽኒያት ከሕልፎ ዝደለኹ ዝተጋገየ ኣቀራርባ ከይህሊ እዩ።ኣነ ክፍፅሞ ዝደለኹዎ ነገር ገይረ ኣለኹ’’ኢሎም ባይደን።

ፕሬዝዳንት ባይደን ካብዚ ካብ ኣሜሪካ ካብ ተቓወምቶም ምስ ፑቲን ንምርኻብ ዝወሰዱዎ ተበግሶ ንናይ ሩሲያ መራሒ ውህብቶ እዩ ክብሉ ነቒፎምዎም ኣለው።ኣብ ኣውሮፓ ግን እቲ ሪኢቶ ዝተፈለየ እዩ።ውሩያ ፖለቲከኛታት እቲ ርክብ ኣገዳሲ እዩ ኢሎምዎ ኣለው።

ፕሬዝዳንት ፑቲን ድሕሪ እቲ ኣኼባ ኣብ ዝሃቡዎ ሪኢቶ እቲ ዝርርብ ግልፅን ጭቡጥን ነይሩ ክብሉ ገሊፆምዎ ኣለው።

XS
SM
MD
LG