ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

“ቓዛ ናብ ዝነበሮ ንምምላስ 350 ዓመታት የድልይ” መጽናዕቲ ሕ/ሃገራት


ቓዛ - ፋይል
ቓዛ - ፋይል

ብናይ ሕቡራት ሃገራት ናይ ንግዲን ምዕባለን ዝተመርሐ መጽናዕቲ፡ ኵናት ቓዛ ኣባይቲ፡ መንገዲታት ትሕተ ቅርጺን ከምዘዕነወን ንዕኡ ናብ ቅድሚ ኲናት ዝነበሮ ኩነታት ንምምላሱ ድማ ኣዝዩ ነዊሕ ግዜ ከም ዝሓትትን ኣመልኪቱ።

ብሕቡራት ሃገራት ዝተመርሐ መጽናዕቲ ከም ዝሕብሮ፡ ቓዛ ናብቲ ካብ 2007 ክሳብ 2022 ዝነበራ ዕብየት ቍጠባ ንምምላስ ብውሑዱ 350 ዓመታት ከም ዘድልያ ሓቢሩ። ሕቡራት ሃገራት ንኲናት ቓዛ ድሕሪ ካልኣይ ኲናት ዓለም እቲ ዝኸፍአ ሰብኣዊ ክሳራ ዝተራእዮ ግጭት ክብል ይገልጾ።

ኣብ ወርሒ ጥሪ ብዓለማዊ ባንክ ዝተመርሐ መጽናዕቲ፡ ኣብቲ ኲናት ዝወረደ ክሳራ ክሳብ 18.5 ቢልዮን ዶላር ክብል ገምጋሙ ኣቕሪቡ ነይሩ።

ብመጥቃዕታት እስራኤል ዛጊት ልዕሊ 42-ሽሕ ፍልስጤማያውን ተቐቲሎም ምህላዎም ሮይተርስ የመልክት። ሓማስ ብ7 ጥቅምቲ ኣብ ዘካየዶ ሃንደበታዊ መጥቃዕቲ ድማ 1,200 እስራኤላውውያን ቀቲሉ 250 ድማ ጅሆ ምውሳዱ ይዝከር።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG