ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ደብዳብ ነፈርቲ ኣብ ቓዛ ዝጸዓቐሉ ፍልስጤማዊያን ናብ ውሑስ ቦታ ይሃድሙ


ቓዛ
ቓዛ

ደብዳብ ነፈርቲ እስራኤል ንምሉእ ገዛውቲ ኣብ ዝድምስሰሉ ዘሎ እዋን ኣብ ቓዛ ዝተዓጽው ፍልስጤማውያን ናብ ውሑስ ቦታ ክሃድሙ ይጽዕሩ ኣለዉ።

ሓይሊ ኤሌትሪክን ማይን ተሳኢኑ ሆስፒታላት ቀረባት ሓጺርዎም፡ እቲ ስቓይ ህዝቢ ናብ ሕሱም ኩነታት ይኣቱ`ሎ ይብል ጸብጻብ ኣሶሴይትድ ፕረስ።

ነፈርቲ ኲናት እስራኤል ንምሉእ ኣባይቲ ኣብ ዘዕንዋሉ ዘለዋ እዋን፡ ኣብ ትሕቲ ህንጻ ተቐቢሮም ዝሞቱ ቁጽሮም ኣይፍለጥን። ዕጡቓት ሓማስ ኣስታት 150 እስራኤላውያን ጅሆ ሒዞምሉ ኣብ ዘለዉ እዋን እቲ ደብዳብ ይቕጽል ኣሎ። ካብ መንጎኦም ደቀንስትዮ፡ ቆልዑት ኣረጋውያን ይርከብዎም። ንግዝኣት ፍልስጤማውያን ዘመሓድር ሓማስ፡ ኣብ ልዕሊ እስራኤል ቅድሚ ሎሚ ተራእዩ ዘይፈልጥ ሃንደበታዊ መጥቃዕቲ ድሕሪ ምፍናዉ፡ እስራኤል ብወገና ቅድሚ ሎሚ ተራእዩ ዘይፈልጥ ሕነ ከም ትፈዲ ሓንሒና`ላ-ድሮ`ውን ደምሳሲ ስጉምትታት ወሲዳ`ላ።ብኽልቲኦም ወገናት ድሮ ልዕሊ 2,200 ሰብ ሞይቱ`ሎ እቲ ቁጽሪ ድማ ይውስኽ ኣሎ።

እስራኤል ድሕሪ`ቲ መጥቃዕቲ ናብ ቓዛ መግቢ ኮነ ማይ ወይ ነዳዲ ከይኣቱ ዓጽያቶ`ላ። ተሪፉ ዝነበረ ናብ ግብጺ ዘስሉኽ እንኮ መተሓላለፊ `ውን ትማሊ ነፈርቲ እስራኤል ነቲ ዶብ ምስ ደብደብኦ ተቛሪጹ`ሎ።

ፍልስጤማውያን ብሕቡራት ሃገራት ኣብ ዝመሓደራ ኣብያተ ትምህርቲ ክዕቆቡ ይፍትኑ`ለዉ እንተኾነ ጻዕቒ ህዝብን ሕጽረት ረድኤትን ተደማሚሩ ናብ ሕሱም ኩነታት ተቐይሩ`ሎ፡ ናብ ሆስፒታላት ዝመጹ ቁሱላት `ውን ምሕካሞም ኣይተኻእለን። “ ሕጂ ኣብ ቓዛ ውሑስ ቦታ ዝብሃል የለን” ይብል ጋዜጠኛ ሓሰን ጃብር፡ ሰለስተ ፍልስጤማውያን ጋዜጠኛታት ድሕሪ ብደብዳበ ነፈርቲ እስራኤል ኣብ ማእከል ከተማ ኣብ ከባቢ ህንጻታት ኣብያተ ጽሕፈት ሚንስተራት መንግስቲ ምሟቶም፡ ነቲ ኩነታት “ሓቂ ንምዝራብ ንህይወተይ ፈሪሐ ኣለኹ” ክብል እዚ ጋዜጠኛ ይዛረብ።

ውድብ ጥዕና ዓለም፡ ንሸውዓተ ሆስፒታላት ዘዳለዎ ቀረባት ብሰንኪ ዋሕዚ ቁሱላት ድሮ ተጸንቂቑ'ሎ ክብል ከሎ ዶብ ኣልቦ ሓካይም ብወገኖም ኣብቲ ኣብ ቓዛ ዝርከብ ዘመሓድርዎ ሆስፒታላት ዘድሊ መሳርሕታት ሕክምና ወዲእና ይብሉ ኣለው። ኣል-ሺፋ ዝተባህለ ዝዓበየ ሆስፒታል ንሰለስተ መዓልታት ዝጸንሕ ነዳዲ ጥራሕ`ዩ ዘለኒ ክብል ኣጠንቂቑ`ሎ።

ብሸነኽ ሰሜን `ውን ምስ ናይ ሊባኖስ ሂዝቦላህ ናይ ተኹሲ ምልውዋጥ ተኸፊቱ`ሎ። ሂዝቦላህ ሎሚ ብዝሰደዶ ጸረ-ታንክ ሚሳይላት ወተሃደራት እስራኤል ከም ዝቐተለን ከም ዘቑሰለን ኣፍሊጡ`ሎ።

ወተሃደራዊ ሓይሊ እስራኤል ከም ዘፍለጦ ኣብዚ ዳሕራዋይ ናይ ሓማስ መጥቃዕቲ፡ 155 ወተሃደራት ዝርከብዎም ልዕሊ 1,200 ሰባት ከም ዝሞቱ ኣፍሊጡ`ሎ፡ እዚ ድሕሪ`ቲ ኣብ 1973 ምስ ግብጽን ሶርያን ዝተገብረ ውግእ እቲ ዝለዓለ ቁጽሪ`ዩ። ሰበ-ስልጣን ፍልስጤም ኣብ ቓዛ `ውን ኣስታት 1,055 ሰባት ከም ዝሞቱ ይገልጹ ኣለው።

ፕረዚደንት ጆ ባይደን ትማሊ ሰሉስ ኣብ ዘስምዖ መደረ፡ ካልኦት ሃገራት ኮነ ዕጡቓት ጉጅለታት ናብቲ ኲናት ከይኣትዋ ኣጠንቂቑ`ሎ። ኣመሪካ ድሮ ኣጽዋራት ናብ እስራኤል ትልእኽ ኣላ ከምኡ`ውን ኣጥቃዓይ መርከብ ናብ ማእከላይ ባሕሪ ኣጸጊዓ'ላ።

ቓዛ ዝብሃል ቦታ 40 ኪ.ሜ ዝንውሓቱ ናብ እስራኤል ዝኣተወ ኮይኑ ብሸነኽ ማእከላይ ባሕሪ ግብጽን ዝርከብ ወሽመጥ`ዩ። 2.3 ሚልየን ፍልስጤማውያን ከም ዝነብርዎ ድማ ይእመን።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG