ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ሕ/ ሃገራት ኣብ ምስፋሕ ሰፈራታት እስራኤል፡ “ሃገረ ፍልስጤም ናይ ምምስራት ተኽእሎ የሎን”


ሰፈራታት እስራኤል እናሰፍሐ ብምምጻኡን ናብ ዝለዓለ ደረጃኡ ብምድያቡን ንህላወ ፍልስጤማውያን ኣብ ዘስግእ ደረጃ ኣሎ ክብል ላዕለዋይ ኮሚሽነር ሰብኣዊ መሰላት ሕቡራት ሃገራር ቮልከር ቱርክ ገሊጹ። እቲ ላዕለዋይ ኮሚሽነር ነቲ ምስፋሕ ሰፈራታት “ገበናት ኲናት” ኢሉ ዝጽውዖ ኰይኑ፡ ብኸምዚ ዝኸዶ ዘሎ ሃገረ ፍልስጤም ንምምስራት ከም ዘይክኣል ተዛሪቡ።

ኣብ ተመሳሳሊ ዛዕባ ምምሕዳር ፕረዚደንት ባይደን፡ “እስራኤል እትግበሮ ዘሎ ምስፋሕ ሰፈራታትን ሓደስቲ ኣባይቲ ምህናጽን ንዓለማዊ ስምምዓት ዝጥሕስ’ዩ፡” ክብል ገሊጹዎ ኣሎ።

ኮሚሽነር ሰብኣዊ መሰላት ሕቡራት ሃገራት ብዛዕባ ምስፋሕ ሰፈራታት እስራኤል ኣመልኪቱ ቤት ጽሕፈቱ ዘዳለዎ ጸብጻብ፡ ኣብ መወዳእታ ናይዚ ወርሒ ወግዓዊ ክኸውን ምዃኑ ኣመልኪቱ። ኣብቲ ብሕቡራት ሃገራት ዝተኻየደ መጽናዕቲ፡ ካብ 2017 ኣትሒዛ፡ እስራኤል ኣብ ምዕራባዊ ገማግም 24,300 ሓደስቲ ኣባይቲ ምህናጻ ኣመልኪቱ።

ኣምባሳድር እስራኤል ኣብ ሕቡራት ሃገራት ጀኔቫ ነቲ ሎሚ ዝተዋህበ መግለጺ እቲ ኮሚሽነር፡ “እቲ ጸብጻብ ኣብ 2023 ብግብረ-ሽበራውያን ዝተቐትሉ 36 እስራኤላውያን ኣይመዝገበን፡ እዚ ድማ መርኣያ እቲ ኮሚሽን ንወጽዓታት እስራኤል ሸለል ዝብሎ’ዩ፡” ምባሉ ሮይተርስ ኣስፊሩ።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG