ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

እስራኤል ናይ መሬት መጥቃዕቲ ኣብ ቓዛ ፈጺማ


እስራኤል ናይ መሬት መጥቃዕቲ ኣብ ቓዛ ፈጺማ
please wait

No media source currently available

0:00 0:03:38 0:00

እስራኤል ናይ መሬት መጥቃዕቲ ኣብ ቓዛ ፈጺማ

ወታሃደራት እስራኤል ናብ ሎሚ ሓሙስ 26 ጥቅምቲ 2023 ኣብ ዘውግሐ ኣብ ቓዛ ንሓደ ስዓት ዝጸንሐ ናይ መሬት መጥቓዕቲ ፈፂሞም። እዚ ድማ እስራኤል ቅድሚ ናብ ቓዛ ንምእታው ትዳለወሉ ናይ ዘላ ሰፊሕ መጥቓዕቲ አካል እዩ ተባሂሉ ኣሎ።

ወታሃደራትን ታንክታትን እስራኤል ኣብ ሰሜናዊ ቓዛ ንሓደ ስዓት ዝጸንሕ ናይ መሬት መጥቓዕቲ ከምዝፈፀመት ወታሃደራዊ ሓይሊ እታ ሃገር ገሊፁ። ትፅቢት ዝግበረሉ ሰፊሕ ናይ መሬት መጥቓዕቲ ንምፍናው እቲ "ዓውዲ ዂናት ንምድላው’’ ኣብ ዝተኻየደ መጥቓዕቲ ብርክት ዝበሉ ዕላማታት እቶም ዕጡቓት ተደብዲቦ ኣለው።

እዚ መጥቓዕቲ ተፈፂሙ ዘሎ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ወሽመጥ ቓዛ ነዳዲ ይፅንቀቕ ኣሎ ክብል ኣብ ዘጠንቀቐሉ እዩ። እዚ ኣብ ቓዛ ንዘሎ ፃዕርታት ረድኤት ከቢድ ገይሩዎ ኣሎ። ሓማስ ኣብ ደቡባዊ ክፋል እስራኤል ደማዊ መጥቓዕቲ ካብ ዝፍፅም ወሽመጥ ቓዛ ኣብ ትሕቲ ፍፁም ክባ ትርከብ።

ብመሰረት ሰበስልጣን ፍልስጤም ብዝሒ ኣብ ቓዛ ህይወቶም ዝስኣኑ ሰባት ሎሚ ሓሙሽ 7,000 በፂሑ ኣሎ ። ንዓሰርተታት ዓመታት ኣብ መንጎ እስራኤልን ፍልስጤምን ኣብ ዝተኻየደ ግጭት እዚ ናይ ሎሚ ተራእዩ ዘይፈልጥ እዩ። እስራኤል ናይ መሬት መጥቓዕቲ ምስ ጀመረት ቁጽሪ ምውታት ክበዝሕ ይኽእል እዩ ተባሂሉ ይግመት።

ሚንስትሪ ጥዕና ሓማስ ይቆፃፀሮ ኣብ ዘሎ ቓዛ ትማሊ ረቡዕ ኣብ ውሽጢ 24 ስዓታት ልዕሊ 750 ሰባት ተቐቲሎም ኣለው። ቅድሚኡ ኣብ ዝነበረ መዓልቲ ድማ ልዕሊ 704 ተቐቲሎም። ኣሶሴይትድ ፕረስ ግን ብዛዕባ ብዝሒ ሞት ብነፃ ወገን ከረጋግፆ ኣይክኣለን። እቲ ሚንስትሪ ጥዕና ስቪላትን ተዋጋእቲን ብዝብል ኣይፈለዮን። ልዕሊ 2,900 ትሕቲ ዕድመን ልዕሊ 1,500 ደቂ ኣንስትዮ ምሟቶም ግን ገሊፁ ኣሎ።

ትማሊ ረቡዕ ብዓልቲ ቤቱ፣ ወዱ፣ ጓሉን ወዲ ጓሉን ንነባር ጋዜጠኛን ኣብ ቓዛ ወኪል ኣል-ጀዚራን ዋዔል ዳህዶውህ ብደብዳብ እስራኤል ተቐቲሎም። ኣብ ቐጠር ዝመደብሩ ማዕኸን ዜና ኣል-ጀዚራ ዋዔል ናብ ሆስፒታል ኣትዩ ሬሳ ወዱ እናርኣየ ክበኪ ከሎ ኣርእዩ ኣሎ። ንሱን ካልኦት ሕዙናትን ሎሚ ሓሙስ ኣብ ቀብሪ ስነስርዓት ተሳቲፎም ኣለው።

ሰራዊት እስራኤል ንዒላማታት እቶም ዕጡቓት ጥራሕ እየ ዘጥቅዕ ዘለኹም ብምባል ሓማስ ስቪላት ብብዝሒ ኣብ ዝነብርሉ ቓዛ መጥቓዕታት ይፍፅም ኣሎ ክብል ይኸስስ። ሓማስ ንቓዛ ናይ ምምሕዳር ዓቕሙ ከም እተልምስ ብምሕባር ነቲ ግዝኣት ዳግም ንምቁፅፃር ግን ትልሚ ከምዘይብላ እስራኤል ትገልፅ።

ጥሮተኛን ኣባል ካብኔ እስራኤል ዝኾኑ ጀነራል በኒ ጋንዝ እስራኤል እተካይዶ ናይ መሬት መጥቓዕቲ ዓመታት ናይ ዝወስድ "ሓደ ምዕራፍ ናይ ነዊሕ መስርሕ ፀጥታዊ፣ ፖለቲካውን ማሕበራውን መዳያት ጥራሕ’’ እዩ ይብሉ።ንሶም ወሲኾም"እቲ ወፍሪ ብዓብዪ ሓይሊ ኣብ ቀረባ ክቕፅል እዩ’’ ኢሎም ።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG