ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

እስራኤል ንሰራሕተኛታት ሕ/ሃገራት ቪዛ ከልኪላ


ቀ/ሚ ቤንያሚን ነታንያሁ ምስ ሰራዊት'ታ ሃገር
ቀ/ሚ ቤንያሚን ነታንያሁ ምስ ሰራዊት'ታ ሃገር

እስራኤል መሻርኽቲ ሓማስ እዩ ክትብል ንሕቡራት ሃገራት ብምኽሳስ ንሰራሕተኛታቱ ቪዛ ከምዘይትህብ ትማሊ ሰሉስ 26 ታሕሳስ 2023 ኣፍሊጣ።

እዚ ስጉምቲ ነቲ ድሮ'ውን ኣብ ልዕሊ እስራኤል ዘይፍትሓውን ዘይመጣጠንን ወቀሳ የቕርብ ኢላ ምስ እትኸሶ ሕቡራት ሃገራትን ዘሎ ውጥረት ዘጋድድ እዩ።

ወሃቢ ቃል መንግስቲ እስራኤል ኤይሎን ለቪ፡ ሕቡራት ሃገራት ንተግባራት ሓማስ ብምኽዋል እቲ ጉጅለ ካብ ሆስፒታላት ከም ዝንቀሳቀስን ኣብ ቓዛ ንሰላማውያን ዝተሓስበ ረድኤት ከም ዝሰርቅን እናፈለጠ ኣይኾነኖን ክብሉ ከሲሶም።

ሓማስ ነቶም ብእስራኤል ዝቀረቡ ክስታት ነጺጉ'ሎ።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG