ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

እስራኤል ንኤርትራውያንን ሱዳናዊያንን ናብ ኡጋንዳ ክተፋንዎም‘ያ


Uganda
Uganda
እስራኤል ንዝተወሰኑ ኤርትራውያንን ሱዳናውያንን ስደተኛታት ናብ ኡጋንዳ ክተፋንዎም ምኻና ኣፍሊጣ።ነቶም ኣጋይሽ ስለዝተቀበለት ድማ ኡጋንዳ፣ኣፅዋርን ገንዘብን ክትቅበል‘ያ።ከም‘ዚ ዝበለ እንካን-ሃባን ንኡጋንዳ እቲ ዘድልያ ዓቅሚ ክፈጥረላ‘ዩ፣ከምኡውን ሕጋዊ ሳሓቦ-ጉተቶ ከበግሰላ‘ዩ ተባሂሉ።

ምንስትር ጉዳያት ውሽጢ ሃገር እስራኤል ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ዝዘርገሖ መግለፂ፣ነቶም ቁጠባዊ ስደተኛታት ኢላ ዝገለፀቶም ኣሻሓት ኤርትራውያንን ሱዳናውያንን ኡጋንዳ ክቅበሎም‘የ ከምዝበለት ጠቂሱ።

ኣብ እስራኤል 55 ሽሕ መብዛሕተኦም ፖለቲካዊ ዕቁባ ዝሓተቱ ስደተኛታት ኣለው።

እንተኾነ በዝሒ‘ቶም ናብ ኡጋንዳ ዝላኣኹ ስደተኛታት ብኣማኢት ዝቁፀሩ ምኻኖም እቲ ዜና ይሕብር።ሰበ-ስልጣን እስራኤል፣እቲ ምስ ኡጋንዳ ዝተበፅሐ ውዕል ቃላዊ ጥራሕ ከምዝኾነን መንግስቲ ኡጋንዳ ከም‘ዚ ዝኣምሰለ ውዕል ንምህላው‘ውን እወንታ ኣይሃበን።

ዕቁባ ዝሓተቱ ስደተኛታት ናብ ኡጋንዳ ምፍናው ንዓለም-ለኸ ሕጊ ዝፃረር‘ዩ።እቶም ስደተኛታት ኣብ ኡጋንዳ ምስኣተው ሕጋዊ ምስሕሓብ ከምዝላዓል‘ውን ይዛረብ ሚስተር እንኩንዳ።

እንኩንዳ ወሲኹ፣እቶም ካብ እስራኤል ናብ ኡጋንዳ ዝላኣኹ ስደተኛታት ኣበይ ከምዝሰፍሩ‘ውን ኣይተነፀረን ዘሎ፣ምናልባሽ ኣብ ሓደ ንስድተኛታት ዝተኸፍቱ ካምፕታት ክኣትው ከምዝኽእሉ‘ውን ይግምት።

ሚስተር ኦማች ብወገኑ፣እዚ ተርእዮ‘ዚ፣ሓንቲ ሃብታም ሃገር ፀገማ ንክትፈትሕ ሓሊና ንካልእ ድኻ ሃገር ክሳዕ ክንደይ ከምትጥቀመላ ዘርኢ‘ዩ ይብል።

ክልቲኦም ተንተንቲ ዝሰማምዕሉ ሓደ ነገር‘ውን ኣሎ።ወግዓዊ ውዕል ክሳብ ዘይተኸትመ፣እስራኤልን ኡጋንዳን እንታይ ከምዝወጠና ህዝቢ ክፈልጥ ኣይኽእልን።

ሙሉእ ሪፖርት ኣዳምጹ
please wait

No media source currently available

0:00 0:03:50 0:00
መራገፊ
XS
SM
MD
LG