ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

እስራኤል፡ ንነፍሲ ወከፍ ናብ ሩዋንዳ ዝጣየስ ስደተኛ 5,000 ዶላር ንመንግስቲ ሩዋንዳ ከምትህብ ኣፍሊጣ


ፋይል-
ፋይል-

እስራኤል ንነፍሲ ወከፍ ናብ ሩዋንዳ ዝጣየስ ሓታቲ ዑቕባ ወይ ስደተኛ ንመንግስቲ ሩዋንዳ 5,000 ዶላር ከምትህብ ኣፍሊጣ፡ ነቐፍቲ እዚ ስጉምቲ ናይዚ ዘመን’ዚ ግልያነት’ዩ ክብሉ ብተሪር ይነጽጉ።

ኣብ ዝመጽእ ኣዋርሕ እቶም ኣብ እስራኤል ዝርኸቡ ኣስታት 40,000 ሓተቲ ዑቕባ ምጥራስ ወይ ድማ ማእሰርቲ ክመርጹ ክግደዱ እዮም።

መብዛሕትኦም ካብ ኤርትራን ሱዳንን ዝመጹ እዞም ሓተቲ ዑቕባን ስደተኛታት ቅድሚ ኣሰርተታት ዓመታት እዮም ናብ እስራኤል ኣትዮም። እንተኾነ መንግስቲ እስራኤል ኣብ ስነ-ህዝቢ እታ ሃገር መሰናኽል ዝፈጥሩ እዩም ብማለት ነዞም ብኣሰርተታት ኣሽሓት ዝቑጸሩ ሓተቲ ዑቕባ ማሕበራዊ ኮነ ናይ ጥዕና ኣገልግሎት ከይረኽቡን ናይ ስራሕ ፍቓድ ከይወሃቦም ክኽልኽል ጸኒሑ።

ናይ ሕቡራት ሃገራት ትካል ስደተኛታት ነዞም ሓተቲ ዑቕባን ስደተኛታትን ዘንጸላልዎም ዘሎ ሓደጋ ምጥራዝ ከምዘተሓሳሰቦ ክገልጽ ጸኒሑ’ዩ። ብዙሓት ካብቶም ኣፍሪቃዊያን ማሕበረሰብ ድማ ናብ ሃገራቶም እንተተመሊሶም ሞት ከምዝጽበዮም ይገልጹ። ትካላት ተሓለቕቲ ሰብኣዊ መሰላት እስራኤል ነቲ ነዞም ስደተኛታት ክጥርዝ ዘሕለፈቶ ውሳኔ ክትቕይር ይጽውዑ።

“ናብ ሃገረይ እንተተመሊሰ ህይወተይ ጥራይ ዘይኮነ ነቶም ካብ ሃገር ክወጽእ ዝሓገዙ ኣብዚ ሕጂ እዋን ኣብ ማእከል ሱዳን ዝርኸቡ ስድራ ቤተይ’ውን ኣብ ሓደጋ ከእትው እየ። ስለዚ እንተተመሊሰ ዝገጥመኒ እዚ ስለዝኾነ ናብ ሱዳን ክምለስ ኣይደልይን” ዝበለ ሓሰን ሳኹር ዝተባህለ ኣብ እስራኤል ዝነበር ሓታቲ ዑቕባ ሱዳናዊ እዩ።

ኣብ ክንዲ እዞም ሓተቲ ዑቕባ ዝሰርሑ ሰብሞያ ሕጊን ተሓለቕቲ ሰብኣዊ መሰላት መንግስቲ እስራኤል ንሓተቲ ዑቕባ ንምኽልኻልን ምስ ክብሮም ክነብሩ ዘኽእሎም መሰሎም ክትህልው ዘለዋ ናይ ሞራልን ሕጋዊ ግዴታ ከተማልእ ይጽውዑ ኣለው።

ምሉእ ትሕዝቶ ጸብጻብ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።

XS
SM
MD
LG