እስራኤል ፈነወ መደበር ቴሌቭዥን ኣልጀዚራ ክትዓጽው መደብ ከምዘለዋ ሚንስትር ኮሚኒኬሽን ኣዮብ ካራ እታ ሃገር ኣፍሊጦም።
ንሶም “ካብ ቀረባ ጊዜ ጀሚሩ ብዙሓት ሃገራት እዚ ዞባ መደበር ቴሌቭዥን አልጀዚራ ኣብ ሃገራት ወሽመጥን ከምኡ’ውን ኣብ ስዑዲ ዓረብ፡ ዪርዳኖስ፡ ግብጺን ዝረአ ግብረሽበራን ንሃይማኖታዊ ጥሩፍነት ከምዝድግፍ ገሊጾም። እዘን ሃገራት ኣብ ነኻይዶ ዞባዊ፡ፖለቲካዊ፡ ኢኮኖሚያዊ ኮነ ናይ ምኽልኻል ስምምዓትን ዋዕላታት እቲ ትካል ንከም ዳዒሽ፡ ሃማስ፡ ሂስቦላህ ዝአመሰሉ ጉጅለታት ግብረ ሽበራ ከምዝድግፍ ክገልጻ ጸኒሓን እየን። ንሕና ጥራይ ኢና ነዚ ውሳኔ ዘየሕለፍና ስለዚ ገለ ምድንጋር ከምዘሎ ምርኣይ ይክኣል”ኢሎም።
መደበር ቴሌቭዥን አልጀዚራ ብወገኑ ኣብታ ሃገር ዘለው ጋዜጠኛታት ብኮሚኒኼሽን ሚንስትር ዝተዋህበ ጋዜጣዊ መግለጺ ከይሳተፉ ምክልካሎም ገሊጾም፡ እቲ ሚንስትር አልጀዚራ ብቋንቋ እንግሊዝን ዓረብን ንዘመሓላልፎ ፈነወ ከምዝዓጽው አፍሊጡ’ሎ።
ቀዳማይ ሚንስትር እስራኤል ቤንጃሚን ነታንያሁ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ከተማ የሩሳሌምን ንዘሎ ቤት ጽሕፈት አልጀዚራ ከምዝዓጽው ምጥንቓቖም ዝዝከር ኮይኑ ኣብ ቀረባ ጊዜ ዘጋጠመ ተቓውሞታት ኣብ ሃይማኖታዊ ቦታ አልአቕሳ ዘውጽኦ ጸብጻብ ስዒቡ ንሶም እቲ መደበር ቴሌቭዥ አልጀዚራ ኣብታ ሃገር ግጭት የለዓዕል አሎ ኢሎም።
ዮርዳኖስን ስዑዲ ዓረብን ኣብ ሃገረን ዝርኸብ ንቤት ጽሕፈት እቲ ቀጠር ዝመደበሩ ፈነወ ቴሌቭዥን ምዕጻወን ዝፍለጥ ኮይኑ ጨንፈር እቲ መደበር ቴሌቭዥን ዝኾና’ውን ኣብ ስዑዲ ዓረብን ዓረብ ኢማራትን ምዕጻወን ይፍለጥ።