ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ሰራዊት እስራኤል ንመራሒ ሓማስ ያህያ ሲዋር ከምዝቀተለ ገሊጹ


 መራሒ ሓማስ ያህያ ሲዋር - ፋይል
መራሒ ሓማስ ያህያ ሲዋር - ፋይል

ሰራዊት እስራኤል ናብ መራሒ ሓማስ ያህያ ሲዋር ኣለዎ ዝተባህለ ከባቢ ብምእታው ብዘካየዶ መጥቃዕቲ ነቲ ንሓደ ዓመት ክህደን ዝጸንሓ መራሒ ሓማስ ከምዝተቐትለ ሓቢሩ።

ሲዋር፣ ሓደ ካብ መንጎ’ቶም ዝሓለፈ ዓመት ኣብ ልዕሊ እስራኤላዊያን መጥቃዕቲ ዘዋደዱን መንቀሊ’ቲ ስዒቡ ዝመጸ ውግእን እዩ ይብል ትካል ዜና ኣሶሴይትድ ፕረስ።

ቀ/ሚ ቤንያሚን ኔታንያሁ "እስራኤል፣ ምስ ሲዋር ዝነበራ ሒሳብ ኣወራሪዳ ኣላ፣ ከምኡ ኮይኑ’ውን ውግእ ገና ኣየብቀዐን" ከምዝበሉ’ውን እቲ ዜና ይሕብር።

ጉጅለ ሓማስ ክሳብ’ዚ ሰዓት’ዚ፣ ንሞት መራሒኡ ዝምልከት መግለጺ ገና ኣይሃበን።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG