ዋሽንግተን —
ሓላፊ ወተሃደራዊ ክንፊ ሓማስ መሓመድ ደኢፍ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ሓምለ እስራኤል ኣብ ቓዛ ብዘካየደቶ መጥቃዕቲ ነፈርቲ ምቅታሉ ወተሃደራዊ ሓይሊ እስራኤል ሎሚ ሓሙስ 1 ነሓሰ ኣፍሊጡ ክብል ሮይተርስ ሓቢሩ። እዚ ዝኸውን ዘሎ ፖለቲካዊ መራሒ እቲ ጉጅለ ኣብ ቴህራን ድሕሪ ምቅታሉ ሓደ መዓልቲ እዩ።
ሰራዊት ምክልካል እስራኤል ኣብ 7 ጥሪ ከምዝተሳእሎ ዝሕብር ምስሊ ደኢፍ ኣውፂኡ ዝነበረ ኮይኑ ሎሚ ሓሙስ ድማ ደኢፍ ኣብ ከባቢ ካን ዩኒስ ቓዛ ብዝተፈፀመ መጥቃዕቲ ነፈርቲ ምቅታሉ ከምዝኣምን ኣረጋጊፁ። ሮይተርስ ነቲ ከባቢ ኮነ ንዕለት እቲ ስእሊ ብናፃ መገዲ ከረጋግፆ ኣይከኣለን።
ሓማስ ንመቅተልቲ ደኢፍ ኣየረጋገፀን፡ ኣይነጸጎን'ውን ይኹን ደኣ እምበር ሓደ ካብ በዓል ስልጣን እቲ ጉጅለ ኢዛት ራሻቅ፡ ብዛዕባ ሞት መራሕቶም ክዛረብ ዝኽእል እቲ ዝምልከቶ ኣካል ጥራሕ እዩ ክብል ተሰሚዑ'ሎ።
ቅጥዒ