ዋሽንግተን —
ቀዳማይ ሚኒስተር እስራኤል ቤንያሚን ኔታንያሁ ፖለቲካዊ መደረ ንኽልቲኡ ባይቶታት ኣመሪካ ንምስማዕ ናብ ዋሸንግተን ዲሲ ኣምሪሖም’ለዉ።እዚ ዝኸውን ዘሎ ፕረዚደንት ጆ ባይደን ኣብ ፕረዚደንታዊ ምርጫ 2024 ከምዘይሳተፉ ኣብ ዝገለጽሉ እዋን'ዩ።
ኣብ መንጎ እስራኤልን ሓማስን ምቑራጽ ተፃብኦታት ንምግባር ፃዕርታት ኣብ ዝካየደሉን እቲ ኵናት ናብ ሊባኖስን የመንን ገፁ ኣብ ዝሰፍሓሉ፡ ኣመሪካ ከኣ ኣብ ማእኸል ውድድራት ምርጫ ፕረዚደንት ኣብ ዘላትሉን እዋን ኔታንያሁ ዝገብርዎ መደረ ኣብ መንጎ ክልቲኡ ስግር ባሕሪ ርዝነት ክፈጥር ተኽእሎ ኣለዎ።
ብኻልእ ወገን ባይደን ካብቲ ውድድር ፕረዚደንታዊ ምርጫ ንምውፃእ ዝገበርዎ ውሳነ ንዕኦም ንምትካእ ብዲሞክራት ዝግበር ምርጫን ኣብ መወዳእትኡ መን ፕረዚደንት ከም ዝኸውንን ገና ኣብ ዘይተፈልጠ ብምዃኑ ከኣ እቲ ሓደግኡ ዝወሰኸ ይኸውን።
ኔታንያሁ ካብ እስራኤል ኣብ ዝተበገሰሉ ኣብዘስሞዎ መደረ እስራኤል ምሕዝነታ ፅምደ ሰልፊ ምዃኑን ኣብ ማእኸላይ ምብራቅ ኹሉ ግዜ ቀንዲ መሻርኽቲ ኣመሪካ ምኳናን ከምዘስመርሉ ጸብጻብ ኣሶሸይትድ ፕረስ ይሕብር።
ቅጥዒ