ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

እስራኤል 200 ኣፍሪቃዊያን ስደተኛታት ካብ ማእሰርቲ ከምዝፈትሓት ኣፍሊጣ


ሚንስትር ውሽጣዊ ጉዳያት እስራኤል ሃገሩ ካብቶም ናብ ሳልሳይ ሃገር ምጥራዝ ወይ ማእሰርቲ ዝብል ምርጫ ማእሰርቲ መሪጾም ኣብ ማእሰርቲ ዝጸንሑ 200 ስደተኛታት ከምዝፈትሓት ብሰንበት ኣፍሊጦም።

እስራኤል ነቶም ብዘይሕጋዊ መንገዲ ናብ ሃገራ ዝኣተው ናይ ቁጠባ ስደተኛታት እዮም ትብሎም ኤርትራዊያንን ሱዳናዊያንን ስደተኛታት ናብ ኡጋንዳ ንምጥያስ ኣብ ስምምዕ ንምብጻሕ ጻዕርታት ኣብ ዝኻየደሉ ጊዜ’ዩ ነዞም ተአሲሮም ዝነበሩ ስደተኛታት ዝፈትሓት: ሚንስትሪ ውሽጣዊ ጉዳያት ኣብ ኣብያተ ማእሰርቲ ዘሎ ኣተሓሕዛ ብዝምልከት ኣብ ቤት ፍርዲ ክሲ ድሕሪ ምቕራቡ ነቶም ስደተኛታት ካብ ማእሰርቲ ከምዝፈትሑ ዝገልጽ መግለጺ ኣውጺኡ።

መንግስቲ እስራኤል ኣብ ሃገሩ ዝርከቡ 37,000 ስደተኛታት ናይ ቁጠባ ስደተኛታት እዮም መንግስቲ ድማ ዶባት ሃገሩ ናይ ምክልካል መሰል ኣለዎ ክብል ኸሎ ተሓለቕቲ መሰላትን እቶም ስደተኛታት ግን ካብ ስቅያትን ኩናትን ዝሃደሙ ሓተቲ ዑቕባ ምዃኖም ይገልጹ።

XS
SM
MD
LG