ዋሽንግተን —
ሚንስትር ውሽጣዊ ጉዳያት እስራኤል ሃገሩ ካብቶም ናብ ሳልሳይ ሃገር ምጥራዝ ወይ ማእሰርቲ ዝብል ምርጫ ማእሰርቲ መሪጾም ኣብ ማእሰርቲ ዝጸንሑ 200 ስደተኛታት ከምዝፈትሓት ብሰንበት ኣፍሊጦም።
እስራኤል ነቶም ብዘይሕጋዊ መንገዲ ናብ ሃገራ ዝኣተው ናይ ቁጠባ ስደተኛታት እዮም ትብሎም ኤርትራዊያንን ሱዳናዊያንን ስደተኛታት ናብ ኡጋንዳ ንምጥያስ ኣብ ስምምዕ ንምብጻሕ ጻዕርታት ኣብ ዝኻየደሉ ጊዜ’ዩ ነዞም ተአሲሮም ዝነበሩ ስደተኛታት ዝፈትሓት: ሚንስትሪ ውሽጣዊ ጉዳያት ኣብ ኣብያተ ማእሰርቲ ዘሎ ኣተሓሕዛ ብዝምልከት ኣብ ቤት ፍርዲ ክሲ ድሕሪ ምቕራቡ ነቶም ስደተኛታት ካብ ማእሰርቲ ከምዝፈትሑ ዝገልጽ መግለጺ ኣውጺኡ።
መንግስቲ እስራኤል ኣብ ሃገሩ ዝርከቡ 37,000 ስደተኛታት ናይ ቁጠባ ስደተኛታት እዮም መንግስቲ ድማ ዶባት ሃገሩ ናይ ምክልካል መሰል ኣለዎ ክብል ኸሎ ተሓለቕቲ መሰላትን እቶም ስደተኛታት ግን ካብ ስቅያትን ኩናትን ዝሃደሙ ሓተቲ ዑቕባ ምዃኖም ይገልጹ።