ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

እስራኤል ንኽሲ “ምጽናት ዓሌት” ትነጽግ


መጋባእያ ዘ ሄግ
መጋባእያ ዘ ሄግ

ንኻልኣይ መዓልቱ ሎሚ ኣብ ዝተኻየደ ምስማዕ ክሲ ደቡብ ኣፍሪቃ ኣብ ልዕሊ እስራኤል፡ እታ ክሲ ምጽናት ዓሌት ተመስሪቱዋ ዘሎ እስራኤል፡ “ብዓሌት ምጽናት ክሕተት ዘለዎ ሓማስ’ዩ፡” ክትብል ምላሽ ሂባ።

እቲ ትማሊ ኣብ ዘ-ሄግ ዝጀመረ መስርሕ ክሲ ንዓመታት ክወስድ ከም ዝኽእል ዝሓበረ ኣገልግሎት ዜና ኣሶሸትይድ ፕረስ፡ ደቡብ ኣፍሪቃ ነዚ ብምርዳእ ሕጂ እትሓቶ ዘላ እስራኤል እትገብሮ ዘላ ቀጻሊ መጥቃዕታት ደው ንምባል’ዩ።

እቲ ቤት ፍርዲ ንሕቶ ደቡብ ኣፍሪቃ ከተግብር ዝኽእል እንተዀኑ ግን ዛጊት ኣይነጸረን። ነቲ መጥቃዕቲ ደው ንምባል ዝቐረበ ሓሳብ ግን “ገዛእ-ነብሰይ ንምክልኻል ኣይኽእልን’የ፡” ብምባል እቲ ናይ ደቡብ ኣፍሪቃ ሓሳብ መጋብኣያ ክነጽጎ እስራኤል ሓቲታ ኣላ።

ተሓላቒ ሰብኣዊ መሰላት ህዩማን ራይትስ ዎች፡ ደቡብ ኣፍሪቃ ንዝወሰደቶ ተበግሶ ንኢዱ ኣሎ። ብዙሓት ሃገራት ግን ድጋፈን ካብ ምርኣይ ተቖጢበን ኣለዋ።

ሓማስ ብ7 ጥቅምቲ ዝገበሮ ሃንደበታዊ መጥቃዕቲ ኣስታት 1200 እስራኤላውያን ቀቲሉ ንኣስታት 240 ድማ ጅሆ ምውሳዱ ዝዝከር ኰይኑ፡ እስራኤል ብእትገብሮ ዘላ ቀጻሊ መጥቃዕታት ኣብ ወሽመጥ ቓዛ ድማ ኣስታት 23-ሽሕ ፍልስጤማውያን ምሟቶም ሚኒስትሪ ጥዕና ቓዛ ይሕብር።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG