ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ናዕቢ ኤርትራውያን ኣብ እስራኤል - ጠመተ ብኻልእ ኵርናዕ


ናዕቢ ኤርትራውያን ኣብ እስራኤል -- ጠመተ ብኻልእ ኵርናዕ
please wait

No media source currently available

0:00 0:10:49 0:00

ናዕቢ ኤርትራውያን ኣብ እስራኤል -- ጠመተ ብኻልእ ኵርናዕ

ካብ 2007 ጀሚሩ ኣብ እስራኤል ዝነበር ዘሎ ብርሃነ ነጋሲ፡ ኣቦ-መንበር ወለንታዊ ማሕበር ሓድሽ ተስፋ’ዩ። እዚ ኣብ እዋን ለበዳ ኮቪድ-19 ንኤርትራውያን ሓተትቲ ዑቕባ ንምሕጋዝ ዝቖመ ማሕበር፡ ብሳላ’ቲ ዝፈጠሮ ሰፊሕ መርበብን ቅርበት ምስ ክልተ ወገናትን፡ እቲ ስራሓቱ፡ ሕጂ’ውን ብዝሓየለ ይቕጽል ምህላዉ’ዩ ብርሃነ ይገልጽ። እዚ ማሕበር ናብ ዘይመንግስታዊ ትካል ሰጊሩ፡ ኤርትራውያን ምስ መንግስቲን ካልእ ጉዳያትን ኣብ ዘለዎም ርክባት ኣብ ምጥባቕን ምትእስሳርን ከም ዘሰርሕ ኣቦ-መንበሩ ይሕብር። መራሕቲ እዚ ትካል ክሳብ ኣብ ባይቶ እስራኤል ብምኻድ ምስክርነቱን ኤርትራውያን ነበርቲ እስራኤል ብዛዕባ ዘለዎም ሽግራትን ከካፍሉ ይጽዕሩ። ኣብዚ ናይ ቀረባ ክስተት’ውን ክመጽእ ከም ዝኽእል ተጸብዮሞ ነይሮም’ዮም።

መሰል ዑቕባን ነባርነትን እንተቀጺሉ፡ ኣብቲ ቦታ ምቕጽላ፡ ምስዳርን ምውሳብን ስለ ዘይተርፍ፡ እቶም ዓቃባዊ ኣጠማምታ ዘለዎም’ሞ ንእስራኤል ንነዊሕ እዋን ዝመርሑ ዘለዉ ሊህቃን፡ ምቅጣን ዘርኢ ከይህሉ ከም ዝሰርግኡ ብርሃነ ይኣምን። ክንዲ ዝኾነ ድማ እታ ሃገር ብዘይካ ነቶም እትደልዮም ንኻልኦት ኣዝያ ዘይምችእቲ ንኽትከውን ከም ዝሰርሑ ካብ ውህሉል ተመኵሮኡ ይነግር።

ቀዳማይ ሚኒስተር ቤንያሚን ናታንያሁ፡ ድሕሪ’ቲ ፍጻመ ኣብ ናይ ፈይስቡክ ገጹ ዝለጠፎ መልእኽቲ’ውን ንሓሳባት ብርሃነ ዘራጕድ’ዩ። ቀዳማይ ሚኒስተር ቤንያሚን ናታንያሁ ኣብ ዘሰፈሮ መልእኽቲ፡ “ብሕቡራት ሃገራት ንምቕባል ስደተኛታት ዝተኣመመ ሓሳባት እንተ ዝቕበሎ፡ ኣስታት 16-ሽሕ ሰለዅቲ፡ ናይ ምስልጣንን ምጥያስን ሓላፍነት ናባና ምወረደ፡” ድሕሪ ምባል፡ ብህጹጽ መዝገብ’ቶም ሰለዅቲ ዝበሎም ኣብታ ሃገር ዘለዉ ዜጋታት ተዳልዩ ናይ ምጥራዞም መስርሕ ክቃላጠፍ” ጸዊዑ።

ብርሃነ ነቲ ብፖሊስ ዘጓነፈ ጎንጺን ተዅሲን ሕጋዊ ተሓታትነት ይደልዩሉ ምህላዎም’ውን ገሊጹ ኣሎ።

ብኣገላልጻ ብርሃነ ግን እቲ ማእሰርቲን ምጉስቓልን ክቕጽል ምዃኑ ይእምት። ኣሳእልን መንነትን ናይቶም ኣብቲ ናዕቢ ዝተሳተፉ ሓተትቲ ዑቕባ፡ ብመሓዉራት ጸጥታ እታ ሃገር ይእከብ ስለ ዘሎ፡ መጻንሒ ወረቐቶም ከሕድሱን ካልእ ኣገልግሎት ንምርካብ ኣብ ኣብያተ-ጽሕፈት መንግስቲ ኣብ ዝኸዱሉን፡ እዚ ናዕቢ ከም መረጋገጺ ተራእዩ መሰናኽል ክገጥሞም፡ ካብኡ ሓሊፉ’ውን ክሲ ክምስረተሎም ከም ዝኽእል ብርሃነ ይኣምን።

ቀዳማይ ሚኒስተር እስራኤል ቤንያሚን ናታንያሁ፡ “እቶም ንስርዓት ዝድግፉ ኣብ ሃገሮም ከይዶም ይደግፉ፡ ኣጻሪና ከኣ ክንሰጎም ኢና፡” ኢሉ ነይሩ። እቲ ኣዝዩ ዓቃባዊ መርገጺ ከም ዘለዎ ዝፍለጥ ሚኒስተር ጸጥታ ኢምታር በን-ገቪር’ውን ናብቲ ቦታ ፍጻመ ድሕሪ ምብጻሑ፡ ካብዛ ሃገር ክሳብ ዝወጽኡ ድማ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ክጸንሑ ኣለዎ፡ እዚ ቦታኦም ኣይኰነን፡” ኢሉ ነይሩ። ኤምባሲ ሃገር ኤርትራ ኣብ እስራኤል ብወገኑ፡ ትማሊ ሰኑይ ኣብ መራኸቢታት መንግስቲ ኣብ ዝዘርግሖ መግለጺ፡ ነቲ ፍጻመ "ንመንግስቲ ኤርትራ ንምድዋን ብገለ ማዕከናት ዜናን ሰበ-ስልጣን እስራኤልን ዝካየድ ዘሎ ጠቐነታት” ክብል ገሊጹዎ። ነቶም ኣብቲ ተቓውሞ ዝተሳተፉ ድማ ብስም ኤርትራውያን ናብታ ሃገር ዝኣተዉ “ብዙሓት ግን ዘይኤርትራውያን፡” ክብል ኣስፊሩ።

ንምዕባለታት ብቐረባ ዝከታተል ብርሃነ ግን ካብ ሰብ-መዚ ጸጥታ እስራኤል ጀሚሮም ኣብዚ ጉዳይ ሓያሎ ኢድ ከም ዘለዎም’ዩ ዝምጉት።

ኣብቲ መጋርያ ዘለዉ፡ እቶም ኣብ ሰነፈላል ተንጠልጢሎም ዘለዉ ነበርቲ እስራኤል እኳ እንተዀኑ፡ ኣብዚ ጉዳይ ካብ ማዕዶ ዘሳውሩ፡ ጸግዒ ዝሕዙን ነቲ ኣብ እስራኤል ዘሎ ክውንነት ብግቡእ ሰኣን ምርዳእ፡ ብኻልእ መዐየሪ ዝጥምቱን ድማ ብርሃነ መልእኽቲ ኣለዎ። ኣብቲ ማዕረ ተሰዓርቲ ዝበሎ ግጥም፡ ዜጋታትን ርክብ ዘለዎ ኣካላትን ሓላፍነታዊ ስጉምቲ ክወስዱ ድማ የዘኻኽር።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG