ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

መገሻ መራሒ እስራኤል ኣብ ኢትዮጵያ


ቀ/ሚ ኔታንያሁ ኣብ ቤተ መንግስቲ ኣዲሳበባ
ቀ/ሚ ኔታንያሁ ኣብ ቤተ መንግስቲ ኣዲሳበባ

መገሻ ቀ/ሚ እስራኤል ኣብ ኢትዮጵያ ምስ ኤርትራ ኮነ ናይ’ዚ እዋን’ዚ ምዕባለታት ዘራኽብ የብሉን ኢለን ኣምባሳደር እስራኤል ኣብ ኢትዮጵያ።

ናይ’ቶም ቀ/ሚ ናብ ኣዲሳበባ ምእታው ምስ ካልኦት ምዕባለታት ተገጣጢሙ’ሎ። ኢትዮጵያ ዘይቀዋሚ ኣባል ቤት ምኽሪ ፀጥታ ኣብ ዝኾነትሉ እዋን፣ እስራኤል ደጊፋታ’ያ።

ኣብ እዋን ዑደት ኔታንያሁ ካብ እግሮም ዘይተፈለያ ኣምባሳደር እስራኤል ኣብ ኢትዮጵያ ወ/ሮ በላይነሽ ዙቨይዳ፣ ዑደት ቀ/ሚ እስራኤል ኣብ ኢትዮጵያ፣ ምስ እዋናዊ ኩነታትን ጉዳይ ኤርትራን ዝተኣሳሰር ኣይኮነን ኢለን።

ቀ/ሚ ኃይለማርያም ደሳለኝ ብወገኖም፣ መገሻ ኔታንያሁ ምስ ኤርትራ ዘራኽቦ ነገር የብሉን ኢሎም’ዮም።

ኢትዮጵያዊት ንግስተ ሳባ ቅድሚ ሰለስተ ሽሕ ዓመታት ምስ ንጉስ ሰሎሞን ካብ ዝተራኸበትላ ከተማ የሩሳሌም ሰላምታ ሒዘልኩም መፂአ ኣለኹ ዝብሉ ቀ/ሚ ቤንያሚን ኔታንያሁ ሎሚ ዓርቢ ንዓዶም ተመሊሶም።

please wait

No media source currently available

0:00 0:02:47 0:00

XS
SM
MD
LG