መገሻ ቀ/ሚ እስራኤል ኣብ ኢትዮጵያ ምስ ኤርትራ ኮነ ናይ’ዚ እዋን’ዚ ምዕባለታት ዘራኽብ የብሉን ኢለን ኣምባሳደር እስራኤል ኣብ ኢትዮጵያ።
ናይ’ቶም ቀ/ሚ ናብ ኣዲሳበባ ምእታው ምስ ካልኦት ምዕባለታት ተገጣጢሙ’ሎ። ኢትዮጵያ ዘይቀዋሚ ኣባል ቤት ምኽሪ ፀጥታ ኣብ ዝኾነትሉ እዋን፣ እስራኤል ደጊፋታ’ያ።
ኣብ እዋን ዑደት ኔታንያሁ ካብ እግሮም ዘይተፈለያ ኣምባሳደር እስራኤል ኣብ ኢትዮጵያ ወ/ሮ በላይነሽ ዙቨይዳ፣ ዑደት ቀ/ሚ እስራኤል ኣብ ኢትዮጵያ፣ ምስ እዋናዊ ኩነታትን ጉዳይ ኤርትራን ዝተኣሳሰር ኣይኮነን ኢለን።
ቀ/ሚ ኃይለማርያም ደሳለኝ ብወገኖም፣ መገሻ ኔታንያሁ ምስ ኤርትራ ዘራኽቦ ነገር የብሉን ኢሎም’ዮም።
ኢትዮጵያዊት ንግስተ ሳባ ቅድሚ ሰለስተ ሽሕ ዓመታት ምስ ንጉስ ሰሎሞን ካብ ዝተራኸበትላ ከተማ የሩሳሌም ሰላምታ ሒዘልኩም መፂአ ኣለኹ ዝብሉ ቀ/ሚ ቤንያሚን ኔታንያሁ ሎሚ ዓርቢ ንዓዶም ተመሊሶም።