ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

እስራኤል ኣብ ኣል አቅሳ ዝተኸለቶ ኤለክትሮኒካዊ መፈተሺ እንተልዓለቶ’ኳ- ኣብቲ ዞባ ዘሎ ውጥረት ግን ቀጺሉ’ሎ


ኣብ መንጎ እስራኤልን ፍልስጤምን ዝተፈጥረ ሓድሽ ውጥረት ንምፍታሕ እስራኤል ነቲ ኣብ ናይ ኣይሁዳዊያንን ኣመንቲ እስልምናን ቅዱስ ቦታ አል አቅሳ ዝተኸለቶ ሓጺን ዘለልይ መሳርያ ምልዓላ እንተአፍለጠት፡ ፍልስጤማዊያን ግን ምልዓል እቲ መሳርሒ ንበይኑ እኹል ኣይኮነን ይብሉ።

እስራኤል ኣብ አል አቅሳ ዘተኸለቶ ሓጺን ዘለልይ መሳርሒ ድሕሪ ምልዓላ ሓደ መዓልቲ ብሓጹርን ካሜራን ተኪአቶ አላ፡ ፍልስጤማዊያን እዚ ናይ ሕጂ ናይ ጸጥታ ስጉምቲ አድላይ ኣይኮነን ክብሉ ተቓውሞኦም ቀጺሎም አለው።

ኢብራሂም ዘይድ ዝተባህለ ነባሪ የሩሳሌም ከምዚ ይብል።

“ ብፍጹም ጸጥታ ኣይክህልወን እዩ። ብሰላም ክነብር ዘይንደልይ ኮይና ዘይኮነ ጸገማት ንሶም እዮም ዝፈጥሩ ዘለው። ሓደ እዋን ንማዕጾታት አል አቅሳ ዓጽዮም ኣብኡ ክንጽልይ አይፈቐዱልና፡ በብእዋኑ ዝተፈልየ ሓድሽ ታሪክ እዮም ዝሰርሑ ዘለው። ንደቅና ኣብ ጎደናታት ይኸታተልዎም ንመነባብሮና ኣብ ግምት ኣየእትውን መወዳእታ እንታይ ከምዝኸውን ጠፊኡና አሎ።”

ኣብ እዮሩሳሌም ኣብ ዝርከብ መስጊድ ኣልኣቕሳ
ኣብ እዮሩሳሌም ኣብ ዝርከብ መስጊድ ኣልኣቕሳ

እዚ ከምዚ ኢሉ ከሎ ልዑክ ሰላም ሕ/ሃ ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ንሰላም እቲ ዞባ ይጽውዕ፡ ኣምባሳደር ፍልስጤም ኣብ ሕ/ሃ ወገኑ ድማ መጠንቐቕታ የመሓላልፍ።

ኣብ ዝሓለፈ ክልተ ሰሙን ሓደ ውልቀሰብ ንክልተ ፖሊስ እስራኤል ኣብቲ ናይ ኣይሁዳዊያን ናይ ጸሎት ቦታ ድሕሪ ምቅታሉን፡ እስራኤል ኣብቲ ቦታ ሓጺን ዘለልይ መሳርሒ ምትኻላ ስዒቡ ንመዓልታት ተቓውሞ ምልዓሉ ይዝከር።

አባል ካቢነ ሚንስተራት እስራኤል ዩቫል ስቲንትዝ “እስራኤል ሕድገት እንተገበረት’ኳ ሰበ ስልጣን ፍልስጤም ህድኣት ናብቲ ቦታ ክምለስ ኣይደልዩን እዮም፡ ፍልስጤማዊያን ኣብ መንጎ ኣመንቲ እስልምናን ኣይሁድን ሃይማኖታዊ ኩናት ምልዕዓል’ዮም ዝፍትኑ ዘለው” ይብሉ።

XS
SM
MD
LG