ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

እስራኤል፡ ነበርቲ ካልኣይቲ ዝዓበየት ከተማ ቓዛ ክወጹ ትእዛዝ ትህብ


▶እስራኤል፡ ነበርቲ ካልኣይቲ ዝዓበየት ከተማ ቓዛ ክወጹ ትእዛዝ ትህብ
please wait

No media source currently available

0:00 0:02:45 0:00

▶እስራኤል፡ ነበርቲ ካልኣይቲ ዝዓበየት ከተማ ቓዛ ክወጹ ትእዛዝ ትህብ

እስራኤል ኣብ ቓዛ ወተሃደራዊ መጥቃዕትታት ዳግም ኣብ ዝደፈአትሉ እዋን፡ ህዝቢ ካብ ደቡባዊ ከተማ ካሃን-ዮኑስ ክወጽእ ትጽውዕ ኣላ።

እዚ መጸዋዕታ ዝቕርብ ዘሎ፡ ንሓደ ሰሙን ተበጺሑ ዝጸንሐ ውዕል ምቁራጽ ተኹሲ ድሕሪ ምብቅዑ`ዩ።

እቲ ኵናት ድሮ ብኣሸሓት ዝቑጸሩ ፍልስጤማውያን ቀቲሉ ልዕሊ ሰለስተ-ርብዒ ነበርቲ ቓዛ ኣፈናቒሉ`ዩ።

እስራኤል ናብ ጠረጴዛ ዘተ ክትምለስ ጸቕጢ ይግበረላ እንተሎ`ኳ፡ ንሓማስ ካብ ቓዛ ንምጥፋእ ዝዓለመ ወተሃደራዊ ወፍራ ዳግም ቀጺላቶ`ላ።

እቲ መጥቃዕቲ ንከተማ ቓዛ ወሲኽካ ንብዙሕ ከባብታት ሰሜናዊ ቓዛ ናብ ፍርስራስ ቀይርዎ`ዩ።

ብኣማኢት ኣሸሓት ዝቑጸሩ ፍልስጤማውያን ኣብ ደቡባዊ ቓዛ ተዓቑቦም ኣለው፡ ግብጺ ድማ ስደተኛታት ኣይቅበልን ትብል።

ሎሚ ሰኑይ 4 ታሕሳስ 2023 እቶም ኣብ ከተማ ካሃን-ዮኑስ ዝነብሩ ንደቡብ ገጾም ክሃድሙ ዝጽውዕ ወረቓቕቲ ብወተሃደራዊ ሓይሊ እስራኤል ይድርበ ኔሩ።

ድሕሪኡ ደብዳብ ነፈርትን ፍንጀራታትን ምስምዖም ነበርቲ ገሊጾም።

ኣብ ከተማ ደየር-ኣል ባላህ ዝርከብ ሪፖርተር ኣሶሴይትድ ፕረስ፡ ኣብ ከባቢኡ ተኹስን ናይ ታንክታት ምንቅስቓሳትን ከም ዝተዓዘበ ሓቢሩ`ሎ።

ወሃቢ ቓል ወተሃደራዊ ሓይሊ እስራኤል ዳንኤል ሃጋሪ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ እቲ መጥቃዕቲ ብምሉእ ሓይሉ ኣብ ሰሜንን ደቡብን ይቕጽል ከም ዘሎ ብምሕባር መጉዳእቲ ሲቪላት ንምንካይ ጻዕሪ ከም ዝግበር ተዛሪቡ።

ኣብ ደቡባዊ ቓዛ ብትኽክል ህዝቢ ክርሕቐለን ዝግብኦ ከባብታት`ውን ብካርታ እናርኣየ ይገልጽ ኔሩ።

ብዙሓት ፍልስጤማውያን ግና ቅድሚ ሎሚ እቲ ዝሃድመሉ ከባብታት`ውን ንህይወትና ውሕስነት ዝህብ ኣይኮነን ብምባል ነቲ ውጹ ዝብል መጠንቀቕታ ዕሽሽ ክብልዎ ጸኒሖም`ዮም።

ወተሃደራዊ ሓይሊ እስራኤል ነቶም ናብ ሰሜን ገጾም ሃዲሞም ዝነበሩ`ውን ንኸይምለሱ ከልኪልዎም ኣሎ።

ድሕሪ መጥቃዕቲ 7 ጥቅምቲ ዝተቐትሉ ሰባት ልዕሊ 15-ሺሕ ምብጽሑን፡ ዝቖሰሉ ድማ ልዕሊ 41-ሺሕ ምዃኖምን ሚንስትሪ ጥዕና`ቲ ብሓማስ ዝምራሕ ከባቢ ቓዛ ኣፍሊጡ`ሎ።

70% ናይቶም ዝሞቱ ድማ ደቀንስትዮን ህጻናትን ምዃኖም ይገልጽ።

እቲ ስምምዕ ምቁራጽ ተኹሲ ካብ ዘብቅዕ ጥራሕ`ኳ ብኣማኢት ዝቑጸሩ ከም ዝተቐተሉን ከምዝቖሰሉ እቲ ሚንስትሪ ሓቢሩ`ሎ።

ኣብ ዴየር ኣል-ባላሕ ዝርከብ ሆስፒታል ዝሓለፈ ለይቲ ጥራሕ 32 ኣስከሬናት ከም ዝተቐበለ ኣፍሊጡ`ሎ።

ወተሃደራዊ ሓይሊ እስራኤል ብወገኑ ኣብዛ ዝሓለፈት ለይቲ ጥራሕ ንኣስታት 200 ዒላማታት ሓማስ ከም ዝወቐዐ ኣፍሊጡ`ሎ። መሕብኢ ሓማስ ዝኾነ ገለርያታት ከም ዝረኸበ`ውን ኣፍሊጡ`ሎ።

ኣብ ዓውደ-ኵናት ብኽልቲኡ ወገናት ዝቐርብ ጸብጻባት ብናጻ ወገን ክረጋገጽ ኣይተኸኣለን።

ኣመሪካ፡ እስራኤል ጃምላዊ ምፍንቓል ጠጠው ክተብሎ ትጽውዕ ኣላ። ንዶባት ቓዛ ንምቕያር ዝግበር ጻዕሪ`ውን ትቃወም።

ኣብቲ እስራኤል ትወስዶ ዘላ መጥቃዕቲ ግን ድጋፋ ንእስራኤል ክትህብ ጸኒሓ`ላ።

ሕጂ እስራኤል ተላዘብታ ክምለሱ ድሕሪ ምጽውዓ ካልእ ተወሳኺ ውዕል ምቁራጽ ተኹሲ ዝብል ተስፋ ኣጸልሚትዎ`ሎ።

ሓማስ ብወገኑ፡ ነቶም ብመጥቃዕቲ 7 ጥቅምቲ ጅሆ ሒዝዎም ዘሎ ሰባት ንምፍትሖም ዝግበር ስምምዕ ምስ ነባሪ ምቁራጽ ተኹሲ ክተኣሳሰር ኣለዎ ይብል።

ዛጊት ካብቶም ተታሒዞም ዝነበሩ 240 መብዛሕቲኦም ደቀንስትዮን ቆልዑትን ዝኾኑ 15 ተፈቲሖም `ዮም።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG