ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

እስራኤል፡ ኣፍሪቃዊያን ስደተኛታት ካብ ሃገራ ክወጹ ዝእዝዝ መምርሒ ሂባ


ስደተኛታት ኣብ ሆሎት መዳጎኒ ማእከል - እስራኤል
ስደተኛታት ኣብ ሆሎት መዳጎኒ ማእከል - እስራኤል

እስራኤል ብዘይሕጋዊ መንገዲ እዮም ኣትዮም ንዝበለቶም ብዓሰርተታት ኣሽሓት ዝቑጸሩ ኣፍሪቃዊያን ስደተኛታት ካብ ሃገራ ክወጹ ወይ ማእሰርቲ ከምዝጽበዮም ክትገልጽ ጸኒሓ ኣብ ዝሓለፈ መዓልታት ናይ መጀመርያ ስጉምቲ’ቲ ምስጓግ ከምዝጀመረቶ ይሕበር ኣሎ።

ሰበ ስልጣን ኢምግሬሽን እታ ሃገር ንኤርትራዊያንን ሱዳናዊያን ሓተቲ ዑቕባ ካብ እስራኤል ክወጹ ዝእዝዝ መምርሒ ክህቡ ከምዝጀመሩ ተሓቢሩ።

እስራኤል ነዞም ብዘይሕጋዊ መንገዲ ዝኣተው እዮም ዝበለቶም ኣስታት 40,000 ኣፍሪቃዊያን ስደተኛታት ክሳብ ወርሒ መጋቢት,2018 ብፍቓዶም ናብ ካልእ ሳልሳይ ሃገር ክኸዱ ወይ ማእሰርቲ ከምዝጽበዮም ክትገልጽ ምጽንሓ ይፍለጥ።

ሚካኤል ዝተባህለ ካበይ ምኳኑ ክሕብር ዘይፈቐደ ስደተኛ ናብ ሩዋንዳ ክጥረዝ ምኳኑ ካብ ክፍሊ ኢምግሬሽን እስራኤል ወረቐት ከምዝበጽሖ ይሕብር።

ንሱ እስራኤል ከምዚ ዓይነት ስጉምቲ ክትወስድ ጌጋ ምዃኑ ብምግላጽ ምክንያቱ ድማ እዞም ስደተኛታት ኣብ ዝኸድዎ ሃገራት ኣፍሪቃ ሞት እዩ ዝጸብዮም ይብል።

እስራኤል ግን ነዚ ጥርዓን ስደተኛታት ብምንጻግ መብዛሕትኦም ዝሓሸ ህይወት ንምምራሕ ዝመጹ ናይ ቁጠባ ስደተኛታት እዮም ትብል።

እቲ ነዞም ስደተኛታት ናይ ምስጓግ ውሳኔ እቶም ስደተኛታት 3,500 ናይ ኣሜሪካ ዶላር ተዋሂብዎም ብፍቓዶም ክወጹ ወይ ድማ ክእሰሩ ምኳኖም ይገልጽ። ሰብ ስልጣን እስራኤል እዞም ኣፍሪቃዊያን ስደተኛታት ንመለለይ ኣይሁዳዊያን ዝኾነ መንነት ኣብ ሓደጋ ዘእትው እዮም ከምኡ’ውን ኣብታ ሃገር ንዝረአ ዘሎ በብጊዚኡ ዝውስኽ ገበንን ምትሓት መነባብሮ ዜጋታት ተሓተቲ እዮም ይብሉ።

ኣብቲ ዝበዝሑ ስደተኛታት ዝነብርሉ ደቡባዊ ከተማ ቴል ኣቪቭ ትነብር እስራኤላዊት ማይ ጎላን ብሰንኪ እቶም ስደተኛታት ኣይሁዳዊያን ኣብ ጎደናታት ምዝዋር ከምዘይኸአሉ ትገልጽ።

ኣብ እስራኤል ዝርኸባ ትካላት ተሓላቒ ሰብኣዊ መሰላት ግን ነዚ ስጉምቲ መንግስቲ እስራኤል ዘይሕጋዊን ንዓለምለኸ ሕጊ ዘይኽተልን ዘይሞራላዊያን እዩ ይብሉ።

ካብ ሊበራል ፓርቲ’ታ ሃገር ዝኾኑን ኣባል ፓርላማን ሚካኤል ሮሲን እስራኤል መጻኢኡ ናብ ዘይተፈልጠ ሃገራት ኣፍሪቃ እያ ነዞም ስደተኛታት ትሰጉግ ዘላ ብተወሳኺ ሩዋንዳ ብዛዕባ’ዚ ምስ እስራኤል ስምምዕ ከምዘይብላ ትገልጽ ኣላ ይብሉ።

እዚ ከምዚ ኢሉ ከሎ ገለ ተሓለቕቲ ሰብኣዊ መሰላት ካብ ምጽናት ኣይሁድ ብናዚ ጀርመን ዝተረፉ ዜጋታት እታ ሃገር፡መራሕቲ ሃይማኖት፡ምሁራትን ኣበረርቲ ነፈርቲን ነዚ ስጉምቲ ምስጓግ ኣፍሪቃዊያን ስደተኛታት ብትሪ ይቓወሙ ኣለው።

ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ሓተቲ ዑቕባ ኣብ ቤት ጽሕፈት ኢምግሬሽን እታ ሃገር ካብ ሰዓታት ወጋሕቲ ጀሚሮም ተሰሪዖም ይረአዩ ምህላዎምን ኣገልግሎት ዜና ሮይተርስ ይሕብር። እዚ ናይ ዑቕባ ሕትኦም ክሳብ ወርሒ ሚያዝያ እንተተነጺጉ ድማ እቶም ሓዳር ዘይብሎም ደቂ ተባዕትዮ ክልተ ምርጫ ኣለዎም ክእሰሩ ወይ ናብ ካልእ ሃገር ክስጓጉ።

ራቢ ናቫ ሃፊዝ ዳይሬክተር ክፍሊ ትምህርቲ ሰብኣዊ መሰላት እስራኤል እያ። ንሳ ብዛዕባ እዚ ስጉምቲ እስራኤል ከምዚ ትብል።

“ አጋይሽ ኣብ መንጎኹም እንተለው እቲ ዝበለጸ ቦታ ክትህቦም ይግባእ። ዝበለጸ ስራሕ ክትህቦም ይግባእ። እዚ እዩ እቲ ቅዱስ መጽሓፍ’ውን ዝብል፡ እዚ ኣነ ዝብሎ ኣይኮንኹን።”

መራሕቲ ሃይማኖት፡ ተማሃሮን ካብ ምጽናት ኣይሁድ ኣብ እዋን ናዚ ዝተረፉ ዜጋታት'ታ ሃገር ነዞም ሓተቲ ዑቕባ ኣብ እዋን እቲ ምስጓግ ክሓብኡ ይጽውዑ ኣለው።

ኣብረርቲ ነፈርቲ እታ ሃገር’ውን እዞም ስደተኛታት ዝስጎጉሉ ነፈርቲ ከምዘየብርሩ ይገልጹ ኣለው።

ወዲ 15 ዓመት ኮይኑ ቅድሚ ሸውዓተ ዓመታት ካብ ኤርትራ ናብ እስራኤል ዝመጸ ፊጎ ኣርባዕተ ጊዜ ናይ ዑቕባ ሕትኡ ምንጻጉን ኣቐዲሙ ንዓመትን ፈረቓን ተአሲሩ ከምዝነበረ ብምግላጽ ሕጂ’ውን ካብ ምስጓግ ማእሰርቲ ከምዝመርጽ ይገልጽ።

እስራኤል ኣብ 2012 ዓ.ም ምስ ግብጺ ዘዳውባ ዶብ ብሓጹር ቅድሚ ምእጻዋ ኣስታት 600,000 ስደተኛታት ን ምድረበዳ ሲናይ ብምቁራጽ ናብታ ሃገር ምእታዎምን ድሕሪ ምዕጻው እቲ ዶብ ድማ ኣስታት 20,000 ስደተኛታት ብመንገዲ ናይ ሕቡራት ሃገራት ትካል ስደተኛታት፡ ብወለንትኦምን ካልእ መንገዲን ካብ እስራኤል ምውጽኦም ይፍለጥ።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።

XS
SM
MD
LG