ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣብ እስራኤል ዝርከቡ ስደተኛታት ንምስራዝ መደብ ምጥያስ ብምቅዋም ሰልፊ አካይዶም


African migrants wear chains to represent slavery during a demonstration in Tel Aviv, Israel, April 3, 2018.
African migrants wear chains to represent slavery during a demonstration in Tel Aviv, Israel, April 3, 2018.

ናይ ሕቡራት ሃገራት ጉዳይ ስደተኛታት ብወገኑ፡ እቲ ምስራዝ ስምምዕ ከምዘሕዘኖ ካብ ጀነቫ ኣፍሊጡ`ሎ

ቀዳማይ ሚንስትር እስራኤል ቤንጃሚን ነታንያሁ ሃገሮም ንኣስታት 16,000 ኣፍሪቃዊያን ስደተኛታት ናብ ሃገራት ምዕራብ ንምጥያስ ምስ ትካል ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት ዝተበጸሓ ስምምዕ ድሕሪ ካብ የማናይ ክንፊ ፓርቲ ሕብረት ዝተዋህበ ነቐፌታ ምስራዞም ኣፍጦም።

ስለዝኾነ ድማ ትማሊ ኣብ ከተማ ቴል ኣቪቭ ዝርከቡ ኣፍሪቃዊያን ስደተኛታት ንምስራዝ እቲ ስምምዕ ብምቅዋም ሰላሚ ሰልፊ ኣካይዶም።

ሚንስትር ካቢነ እስራኤል ናፍታሊ በነት እቲ ስምምዕ ቅኑዕ ከምዘይኾነ ምክንያቱ ንኣስታት 20,000 ስደተኛታት ኣብ እስራኤል ክጸንሑ ዘፍቕድ እዩ ኢሎም።

ንሶም ብተወሳኺ ነቶም ስደተኛታት ናይ ቁጠባ ስደተኛታት ምዃኖምን ናብ እስራኤል ብዘይሕጋዊ መንገዲ ዝኣተው ንባህልን ልምድን ኣይሁድ ስግኣት ዝፈጥሩ እዮም ኢሎም።

መራሒ ተቓዋሚ ፓርቲ ኣይሳክ ሀርዞግ ንምስራዝ እቲ ስምምዕ ብምቅዋም ቀ ሚ ነታንያሁ ነቲ ኣቐዲሞም ዘጽደቅዎ መደብ ምጥራዝ እዞም ስደተኛታት እንተተግቢሮሞ ዓለምለኸ ሕጊ ዝጥሕስን ንህይወት ስደተኛታት ኣብ ሓደጋ ዘእትው’ውን እዩ ክብሉ ርእይትኦም ሂቦም።

ናይ ሕቡራት ሃገራት ጉዳይ ስደተኛታት ብወገኑ፡ እቲ ምስራዝ ስምምዕ ከምዘሕዘኖ ካብ ጀነቫ ኣፍሊጡ`ሎ። እንተኾነ ሓደ ፍታሕ ንምድላይ ምስ ኩሎም ወገናት ብምርኻብ ፍታሕ ንምርካብ ጻዕሩ ከምዝቕጽል ተስፋ ሂቡ`ሎ።

መብዛሕትኦም እቶም ኣብ እስራኤል ዝርከቡ ስደተኛታት ካብ ኤርትራን ሱዳንን ዝመጹ ኮይኖም ድሕሪ ምስራዝ እቲ ስምምዕ ድማ ህይወቶም ኣብ ኣስጋኢ ኩነታት ከምዝርከብ ይገልጹ። ኣቐዲም ኣቢሉ ናብ ገለ ሃገራት ኣፍሪቃ ምልኣኾም ዝብል ንረብሓ`ቶም ስደተኛታት ከምዘይኮነን እተን ክቕበልኦም ዝተባህላ ሃገራት`ውን ዝኾነ ስምምዕ ከምዘይብለን ምግላጸን ነቲ ኩነታት ኣብ መንቀራቕሮ ኣእቲይዎ ከምዝርከብ ይፍለጥ፡

XS
SM
MD
LG