ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

 እስራኤል ዘይሕጋዊያን ስደተኛታት ካብ ሃገራ ክወጹ ንዘሕለፈቶ ውሳነ መጸዋዕታ ወረቐት ትህብ  ከምዘላ ይግለጽ


ኣብ መጀመርታ ወርሒ ጥሪ ቀዳማይ ሚንስትር እስራኤል ቤንጃሚን ነታንያሁ ሃገሮም ብዘይሕጋዊ መንገዲ ዝኣተው እዮም ንዝበልዎም ኣፍሪቃዊያን ስደተኛታት መብዛሕትኦም ኤርትራዊያንን ሱዳናዊያንን ኣብ ውሽጢ ሰለስተ ወርሒ ካብ ሃገሮም ክወጹ ዝእዝዝ ውሳኔ ብካቤነ እታ ሃገር ኣቢሎም ብወግዒ ኣፍሊጦም።

ነዚ ስጉምቲ ስዒቡ ካብ ዝሓለፈ ሰንበት ጀሚሩ መጸዋዕታ ወረቐት ክወሃብ ምጅማሩ ክግለጽ ጸኒሑ’ዩ።

መብዛሕትኦም እዞም እዚ ቀዳማይ ዙር መጸዋዕታ ዝበጽሖም ኤርትራዊያን ኽኮኑ ከለው ናይ ዑቕባ ሕትኦም ዝተነጽገ ወይ ናይ ዑቕባ መስርሕ ዘይጀመሩ፡ ሓዳር ወይ ውላድ ዘይብሎም ደቂ ተባዕትዮ ምኳኖም’ውን ተፈሊጡ’ሎ።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።

XS
SM
MD
LG