ዋሽንግተን —
ቀዳማይ ሚንስተር እስራኤል ሓይልታት ዓቃቢ ሰላም ካብ ብኲናት ዝተሃሰዩ ከባቢታት ሊባኖስ ክወፁ ኣተሓሳሲቦም። እስራኤል ንሕዝቦላህ ዒላማ ምግባራ ኣብ ዝቐፀለትሉን ኣብ ቀረባ ብዝተፈፀመ ደብዳብ ሓሙሽተ ኣባላት ዓቀብቲ ሰላም ሕቡራት ሃገራት ድሕሪ ምቑሳሎምን እዩ እዚ መጠንቀቕታ ዝስማዕ ዘሎ።
ሕዝቦላህ ድሕሪ 7 ጥቅምቲ መጥቓዕቲ ሓማስ ኣብ ቓዛ ንዝርከቡ ፍልስጤማዊያን ንምድጋፍ ንሰሜናዊ እስራኤል ብምጥቅዑ እቲ ውግእ ቀፂሉ'ሎ።
ቅጥዒ