ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣመሪካን መሻርክታን ንምቁራጽ ተኹሲ ይጽውዓ፡ ደብዳብ ነፈርቲ ኣብ ሊባኖስ 23 ሰባት ይቐትል


ነፈርቲ ኩናት እስራኤል ኣብ ሊባኖስ ንሓደ ሶርያውያን ሰራሕተኛታት ምስ ስድራ ቤቶም ዝነበርሉ ህንጻ ድሕሪ ምድብዳበን፡ 23 ሰባት ከም ዝተቐተሉ ሰበ-ስልጣን ሊባኖስ ኣፍሊጦም።እዚ ኣንጻር ህዝቦላሕ መጥቃዕቲ ካብ ዝጅመር ኣብ ሓደ መጥቃዕቲ ዝበዝሑ ሰባት ዝሞትሉ ኩነታት ከምዝነበረ`ውን ተጠቒሱ`ሎ። ኣብቲ ኣብ ጥቓ ታሪኻዊት ከተማ ባዓልበክ ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ዝተቐትሉ መብዛሕቲኦም ቆልዑትን ኣንስትን ምዃኖም ኣገልግሎት ዜና ሊባኖስ ሓቢሩ`ሎ።

እዚ ዳሕራዋይ መጥቃዕቲ ዝስማዕ ዘሎ ኣመሪካን መሓዙታን ን21 መዓልታት ዝጸንሕ ህጹጽ ምቁራጽ ተኹሲ ክግበር ኣብ ዝጽውዓሉ ዘለዋ እዋን`ዩ። እቲ ብኣመሪካ፡ ፈረንሳን ካልኦት መሓዙትን ዝወጸ መግለጺ “ ንዲፕሎማሲ፡ ዕድል ንምሃብ ዶብ-እስራኤልን ሊባኖስን ን21 መዓልታት ካብ ግጭት ክዓርፍ ንጽውዕ ኣለና “ ይብል።

እስራኤል ናብ ሊባኖስ አጋር ሰራዊት ክተእቱ ተጠንቅቕ ኣላ። ከምኡ እንተገይራ ድማ እቲ ግጭት ናብ ምሉእ ዞባዊ ኵናት ከይሰግር ስግኣት ኣሕዲሩ`ሎ።

እስራኤል ኣብ ሊባኖስ ኣንጻር ህዝብላሕ ደብዳባት ካብ ትጅምር ልዕሊ 630 ምሟቶም ሰበ-ስልጣን ጥዕና ሊባኖስ ይገልጹ`ለዉ።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG