ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

እስራኤል ኣብ ቓዛ ብዘካየደቶ ደብዳብ ነፈርቲ ኣስታት 50 ሰባት ሞይቶም


ኣብ ሰሜናዊ ቓዛ 15 ጥቅምቲ 2024
ኣብ ሰሜናዊ ቓዛ 15 ጥቅምቲ 2024

እስራኤል ሎሚ ሰሉስ ኣብ መላእ ቓዛ ብዘካይደቶ ደብዳብ ነፈርቲ ብውሑዱ 50 ፍልስጤማዊያን ሞይቶም። ሚንስትሪ ጥዕና ፍልስጤማዊያን ኣብ ጥቓ ኣል-ፋሉጃ ብደብዳብ እስራኤል ብውሑዱ 17 ሰባት ምሟቶም ገሊጹ። እዚ ኣብ ቓዛ ካብ ዝርከቡ ሸሞንተ መዕቖቢ መዓስከራት ሓደ እዩ። ናይ እስራኤል ሚሳይል ኣብ ባኒ ሱሃይላ ኣብ ዝተባህለ ከባቢ ኣብ ሓደ ገዛ ወዲቑ ካልኦት 10 ሰባት ከምዝሞቱ እቶም ሰበስልጣን ጥዕና ወሲኾም ገሊፆም ኣለው።

ደብዳብ ነፈርቲ እስራኤል ኣብ ወሰን ከተማ ቓዛ ንሰለስተ መንበሪ ኣባይቲ ብምዕናው ሬሳ ክልተ ሰባት ክርከብ ከሎ ሃለዋት ካልኦት 12 ንምርካብ ድማ ፍተሻ ቀጺሉ ከምዘሎ ተፈሊጡ'ሎ።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG