ዋሽንግተን —
እስራኤል ሎሚ ሰሉስ ኣብ መላእ ቓዛ ብዘካይደቶ ደብዳብ ነፈርቲ ብውሑዱ 50 ፍልስጤማዊያን ሞይቶም። ሚንስትሪ ጥዕና ፍልስጤማዊያን ኣብ ጥቓ ኣል-ፋሉጃ ብደብዳብ እስራኤል ብውሑዱ 17 ሰባት ምሟቶም ገሊጹ። እዚ ኣብ ቓዛ ካብ ዝርከቡ ሸሞንተ መዕቖቢ መዓስከራት ሓደ እዩ። ናይ እስራኤል ሚሳይል ኣብ ባኒ ሱሃይላ ኣብ ዝተባህለ ከባቢ ኣብ ሓደ ገዛ ወዲቑ ካልኦት 10 ሰባት ከምዝሞቱ እቶም ሰበስልጣን ጥዕና ወሲኾም ገሊፆም ኣለው።
ደብዳብ ነፈርቲ እስራኤል ኣብ ወሰን ከተማ ቓዛ ንሰለስተ መንበሪ ኣባይቲ ብምዕናው ሬሳ ክልተ ሰባት ክርከብ ከሎ ሃለዋት ካልኦት 12 ንምርካብ ድማ ፍተሻ ቀጺሉ ከምዘሎ ተፈሊጡ'ሎ።
ቅጥዒ