ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ቀ/ሚ ግብፂ ንሰላም እስራኤልን ሓማስን ክፅዕር'የ ኢሎም


እስራኤል ዝፈፀመቶ ደብዳብ ኣብ ቃዛ
እስራኤል ዝፈፀመቶ ደብዳብ ኣብ ቃዛ
ቀዳማይ ምንስቴር ግብፂ ናይ እስራኤል ናይ ጋዛ ወራር ዝበሉዎ ጠጠው ንምባልን ኣብ ናይ ሰላም ስምምዕ ንኽበፅሑን ኣብ መንጎ እስራኤልን ንጋዛ የመሓድር ዘሎ ሓማስን ናይ ሰላም ስምምዕ ንምፍጣር ፃዕሮም ከምዘየሐይሉ ገሊፆም።ሎማዕንቲ ዓርቢ ሓደ ናይ ሓማሳ ተወንጫፊ እዮረሳሌም ንዝርከብ ባዶ ቦታ ከምዝወቕዐ ተገሊፁ’ሎ።

ቀዳማይ ምንስቴር ግብፂ ሐሸም ካንዲል ሎማዕንቲ ዓርቢ ድሕሪ ሓፂር ቶኽሲ ጠጠው ናይ ምባል ስምምዕ ኣብ ጋዛ በፂሖም ኣለው።ክልቲኦም ወገናት ንሕልፈት ህይወት ሰለስተ እስራኤላዊያንን እንተወሓደ 20 ፍልስጤማዊያንን ዝኾነ ናይ ከበድቲ ኣፅዋርን ነፈርቲ ደብዳብን እናተለዋወጡ እዮም።

እቶም ቀዳማይ ምንስቴር ሃገሮም እዚ ወራር እዚ ደው ንኽብል፤ ቀፃሊ ናይ ሰላም ስምምዕ ክግበር፣ሰላም ብምርግጋፅ እዮርሳለም ዋና ከተምኣ ዝገበረት ናይ ፍልስጤም ሃገር ንኽትፍጠርን ኣብቲ ዞባ ሰላም ንምርግጋፅት እቲ እንኮ መንገዲ እዩ ኢሎም።

እቶም ቀዳማይ ምንስቴር ዑደት ይፍፅሙ ኣብዝነበርሉ እዋን እስራኤል ወታደራዊ መጣቓዕትታታ ጠጠው ከምዘበለትን ሓማስ ግን ኣብቲ ግዜ 50 ተወንጨፍቲ ናብ እስራኤል ከምዝተኮሰን ኣፍሊጣ።

ኣብ ጋዛ ፀሊም ጡሽ ንሰማይ ክበንን ይርአ።እስራኤል ናይ ቦምብ መጥቓዕቲ ብምፍፃማ ክልተ ፍልስጤማዊያን ኣብ ጋዛ ከምዝተቐተሉ ምንጭታት ሓማስ ገሊፆም ኣለው።
XS
SM
MD
LG