ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ግጭት ሓማስን እስራኤልን ኣብ ደቡባዊ ቓዛ ይጋደድ


ኣብ መንጎ ሓይልታት እስራኤልን ሓማስን ኣብ ቓዛ ብሰንኪ ይካየድ ዘሎ ከቢድ ውግእ መብዛሕቲኡ ምቕራብ ረድኤት ደው ምባሉ ተፈሊጡ።

ጠመተ እስራኤል ኣብታ ኣብ ውሽመጥ ቓዛ ካልአይቲ ዝዓበየት ደቡባዊት ከተማ ካሃን ዮኑስ ኮይኑ ኣሎ። ነፈርቲ እስራኤል'ውን ንደቡባዊ ቓዛ ደብዲበን ኣለዋ።

ሓይልታት እስራኤል ኣብ መላእ ቓዛ ምስ ዕጡቓት ሓማስ ከቢድ ውግእ የካይዱ ኣለው።ትማሊ ሓሙስ ናብ ደቡባዊ ቓዛ ጠመተ ብምግባር ኣብ ገማግም ቓዛ ምስ ዕጡቓት ሓማስ ክዋግኡ ውዒሎም። ዓለምለኸ ትካላት ረድኤት ስቪላት ካብቲ ግጭት ዝሃድምሉ ውሑስ መውፅኢ የለን ክብሉ ስኽፍትኦም ይገልፁ ኣለው።

ኣብ ቀረባ መዓልታት ሰራዊት እስራኤል ህዝቢ ንደሕንነቶም ክብሉ ካብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ከተማ ካሃን ዮኑስ ክወፅኡ ከተሓሳስቡ ፀኒሖም ኣለው።

ኣብ ግዝኣት ፍልስጤም ኣዋሃሃዲ ሰብኣዊ ረድኤት ሕቡራት ሃገራት ሊን ሃስቲንግስ ብቕድሚ ትማሊ ኣብ ዝወጽኦ መግለፂ "ኣብ ቓዛ ውሑስ ቦታ የለን፤ ዝተረፈ መኸዲ ቦታ የለን’’ ኢሉ።

ብመሰረት ሓማስ ኣብ ዝቆፃፀሮ ቓዛ ዝርከብ ሚንስትሪ ጥዕና 70 ሚእታዊት ደቂ ኣንስትዮን ህፃናትን ዝርከቡዎም እንተወሓደ 15,890 ሰባት ተቐቲሎም ኣለው።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG